ግብጽን ሱዳንን ኣብ መንጎአን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ፣ ብሓባር ክፈትሖኦ ምዃነን ኣፍሊጠን

ግብጽን ሱዳንን ኣብ መንጎአን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ፣ ብሓባር ክፈትሖኦ ምዃነን ኣፍሊጠን

Radio Erena: 28 January 2018

 sudan and egypt fmግብጽን ሱዳንን ኣብ መንጎአን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእን፣ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእን ብሓባር ክፈትሖኦ ምዃነን ኣፍሊጠን።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ መንገዲ ዝዓርፈሉ ኩነታት ንምጥጣሕ ከምዝተሳማምዑ ኣፍሊጦም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ዘይምርድዳእ ከጋጥም ንቡር’ኳ እንተኾነ፣ ቀንዲ ዕማምና ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእን ብሓባር ምስራሕን እዩ ክብል ሓቢሩ።

ግብጻዊ መዘንኡ ሳምሕ ሹክሪ ብወገኑ፣ ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ክንብል ንዝጸንሓና ፍልልያት ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ክንፈትሕን ዝምድናና ከነደልድልን ተሰማሚዕና ኢሉ።

ምብጻሕ ፕረዚደንት ቱርኪ ናብ ሱዳን ስዒቡ፣ ሜድያታት ግብጺ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣልበሽር መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማረን ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት እንዳሓርፈፈ ክመጽእ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ተወሲኹዎ ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ’ዩ ሸሚሙወን ዝርከብ።

=============================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0