UNICEF፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ 2017 ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ብኸቢድ ዝተጠቕዑ 15,981 ህጻናት ከምዝሓከመ ኣፍሊጡ

UNICEF፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ 2017 ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ብኸቢድ ዝተጠቕዑ 15,981 ህጻናት ከምዝሓከመ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 26 January 2018

uniceff

ሕቡራት ሃገራት ማዕከን ቆልዑ (UNICEF) ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምትሕብባር፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት 2017 ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ብኸቢድ ዝተጠቕዑ 15,981 ህጻናት ከምዝሓከመ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2017 ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ብጠቕላላ ኣስታት 60 ሽሕ ህጻናት ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ከምዝተጠቕዑ ብምምልካት፣ እቶም 41,701 ህጻናት ብማእከላይ ደረጃ እቶም ዝተረፉ ድማ ብኸቢድ ደረጃ ምዃኖም ኣነጺሩ።

ብዘይካ’ዚ UNICEF ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ካብ ጋህሚ ናይ ዓይኒ ዑረትን ካልእ ሕማማትን ዝከላኸል ዝንጠብ ናይ ቪታሚን ኤ ክታበት ሂቡ።

ንካልኦት 10ታት ኣሽሓት ቆልዑን ስድራቤታትን ኣብ ትምህርቲ፣ ንጽህና ኣከባቢን ጥዕናን ዝተኣሳሰር ሓገዛት ምብርካቱ’ውን እቲ ትካል ናይዛ ዝተዛዘመት ዓመት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣገንዚቡ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0