ግብጺ ኣብ ደቡብ ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ እያ ተባሂሉ ንዝወጸ መግለጺ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነጺጉዎ

Radio Erena: 07 June 2020
ግብጺ ኣብ ደቡብ ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ እያ ተባሂሉ ንዝወጸ መግለጺ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።

ማዕከናት ዜና ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘቃለሖኦ ሓበሬታ፣ ግብጺ ብዝሓተተቶ መሰረት፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ፍቓድ ስለዝሃበ፣ ፓጋክ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ’ያ ዝብል እዩ ኔሩ።

እንተኾነ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ብ4 ሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገር ብዝሃቡዎ ግጉይ ሓበሬታ ዝተበገሰ ናይ ማሕበራዊ ሜድያ ጎስጓስ ደኣምበር ዝኾነ ሓቅነት የብሉን ኢሉ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ኣብ መንጎ ግብጺን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ፣ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ድሌት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ግብጺ ኣብ ደቡብ ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ዝደለየትሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ውክልና ኲናት ንምኽፋት ክጥዕማ ኢላያ ዝብል ትንታነ እዩ ክወሃቦ ቀንዩ።

ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ጀምስ ሞርጋን ብወገኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሩ ሰላም ክሰፍን ኣበርቲዐን ካብ ዝሰርሓ ዘለዋ ሃገራት’ያ ድሕሪ ምባል፣ ደቡብ ሱዳን ነዚ ሰናይ ተበግሶኣ ዝኾልፍ ዝኾነ ተግባር ኣይትፍጽምን’ያ ኢሉ።

ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ተወሊዑ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ቁርቁስ፣ ናብ ዝለዓለ ጠርዙ ከየምርሕ ስግኣት ሓያሎ ወገናት እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0