ዚምባብወ፣ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታታ ተወሺቦምሉ ካብ ዝነበሩ ማእከላት ናይ ዝሃደሙ ስም ዝርዝር ወግዓዊ ገይራ

Radio Erena: 07 June 2020

ዚምባብወ፣ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታታ ተወሺቦምሉ ካብ ዝነበሩ ማእከላት ናይ ዝሃደሙ ስም ዝርዝር ወግዓዊ ገይራ።

መንግስቲ ዚምባብወ ብኮሮና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ዜጋታቱ ኣስማት ዝርዝር ብወግዒ ክገልጽ ብሰበስልጣን ንዝቐረበ እማመ፣ ካብ ተጣበቕቲ መሰል ደቂሰብ እታ ሃገር ሓያል ተቓውሞ ክገጥሞ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

ሰብ ሞያ ሕክምና’ታ ሃገር ብወገኖም፣ ኣስማት በቲ ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ንህዝቢ ምግላጽ፣ መሰል ዜጋታት ምግሃስ ስለዝኾነ፣ ደው ክብል ተማሕጺኖም እዮም።

ካቢኔ ሚኒስተራት ዚምባብወ ብሰሉስ 2 ሰነ ኣብ ዝወዓሎ ኣኼባ፣ ስም ዝርዝር ሕሙማት ንህዝቢ ክንገር ኣብ ዝብል ዛዕባ ምዝታዩ ኣፍሊጡ’ዩ።

እንተኾነ ሓያሎ ሰባት ካብቲ ተወሺቦምሉ ዝነበሩ ማእከላት ክሃድሙ ስለዝጀመሩ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣስማቶም ንህዝቢ ብምንጋር ክንጽሎም፣ ብኡ ኣቢሉ ከኣ ናይ ሕልና መቕጻዕቲ ክኾኖም ብምባል፣ ስም ዝርዝር ናይ ኣስታት 50 ሰባት ኣውጺኡ ኣሎ።

ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ህዝቢ በዚ ቫይረስ ንዝተለኽፉ ሰባት ብሓዊ ከቃጽሎም ምፍታኑ ከም ኣብነት ዝጠቐሱ ጠበቓታት’ታ ሃገር ብወገኖም፣ እዚ ስጉምቲ’ዚ ኣብ ሕብረተሰብ በሰላ ዝገድፍ ከይከውን ተላብዮም።

ዚምባብወ ዛጊት 226 ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ፣ 4 ሰባት ዝሞቱ፣ ከምኡ’ውን 29 ዝሓወዩ መዝጊባ ኣላ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0