ግብጺ ንኢትዮጵያ ኣፈራሪሃ

Radio Erena: 19 March 2023

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ግብጺ ኣብ ጉዳይ ዲጋ ህዳሰ ኩሎም ኣማራጺታት ክፉታት እዮም ምባላ ንኢትዮጵያ ኣቖጢዑ።
ግብጺ ከም ኣማራጺ ካብ ዘቐመጠቶምን፡ ዲጋ ህዳሴ ደው ንኸብል ክጥቀመሎም`የ ካብ ዝበለቶምን ኣማራጺታት ሓደ ከበድቲ ኣጽዋራት ብምጥቃም፡ነቲ ዲጋ ምፍራስ`ዩ።
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ‘ምስ ኢትዮጵያ ኩሎም ኣማራጺታት ክፉታት እዮም’’ ምባሉ እዩ ንኢትዮጵያ ኣነዲሩዋ ዘሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ “ሓላፍነት ዝጎደሎ እዩ” ዝበሎ’ቲ መግለጺ፡ ግብጺ መዓስ ከም ዘውጽኣቶ`ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ግን መግለጺ ሳምሕ ሽኩሪ ካልእ ናይ ግብጺ መፈራርሒ`ዩ ኢሉ ገሊጽዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ፡ ዲጋ ህዳሴ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ግብጽን ቅሉዕ ዝኾነ ተጽዕኖ ከም ዘየሕድር ኢትዮጵያ መረጋገጺ እንተዘይሂባ፡ግብጺ ናይ ህዝባ ጠለብ ከተማልእ ክትግደድያ ክብል ኣፍሊጡ ኔሩ።
ንሱ ምስ ኬንያዊ መዘንኡ ኣልፈርት ሙቱዋ ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ኣብ መጋቢት 6 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ናይ ክልቲአን ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ድሌት ኣብ ግምት ከተእቱን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘይበጽሐን ክትገብርን ኣለዋ ምባሉ ማዕከናት ዜና ምቅልሐን ኣይርሳዕን።
ሳምሕ ሹክሪ ኣብቲ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ከምኡ ዘይትገብር እንተኾይና፡ግብጺ ብዘይ ዝኾነ ሕቶ ናይ ህዝባ ጠቕሚ ከም እተኽብርን፡ ንዕኡ ዝኸውን ስጉምቲ ናብ ምውሳድን ከተምርሕያ ኢሉ ኔሩ።
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ብሓሙስ 16 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናይ ግብጺ ምፍርራሕ ቻርተራት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ብግልጺ ዝጥሕስ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ንዝፈረምኦ ስምምዕ ዝጥሕስ`ዩ ኢሉ ኔሩ። “ግብጺ ብምፍርራሕ ድሌታ ከተማልእ ኣይትኽእልን`ያ” ዝብል እቲ ሚንስትሪ፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ብምሉኦም፡ ግብጺ ኣህጉራዊ ሕጋጋት ትጥሕስ ከም ዘላ ከስተውዕሉ ይግባእ ኢሉ።
ኣህጉራዊ ሕግታት ብምኽታል፡ ኣብ ትሕቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሰለስቲአን ሃገራት ብምክብባርን ምትእምማንን ምስ ዝዛተያ ኣብ ምርድዳእ ክብጻሕ ይከል`ዩ፡ ይብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ።እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ኢትዮጵያ ሕጂ`ውን ንኹሎም ወገናት ዘዕውት ዘተ ክግበር ደጊማ ትጽውዕ ኢሉ።
ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጉዳይ ዲጋ ህዳሴ ቀዋሚ ኣጀንዳ ዓረብ ሊግ ክኸውን ከም ዘጽደቐት ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0