ግብጺ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣናዊሓ

ግብጺ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣናዊሓ

Radio Erena: 11 Januray 2018

 al sisiግብጺ፣ ንልዕሊ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣጽኒዓቶ ዘላ ናይ ህጽጹጽ እዋን ኣዋጅ ንተወሳኺ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣናዊሓ።

እታ ሃገር፣ ኣብ ቤተክርስትያን ድሕሪ ዘጋጠመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሚያዝያ 2017 ዝኣወጀቶ ናይ ህጹጽ እዋን፣ ንተወሳኺ ሰለስተ ኣዋርሕ ተናውሕ ዘላ፣ ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት 2018 ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ፣ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ክወዳደር ምዃኑ ዝሓበሩ ተንተንቲ ፖለቲካ ግብጺ፣፣ ኣብቲ ንሱ ክዕወተሉ ምዃኑ ብኣግኡ ዝንግረሉ ዘሎ ምርጫ ናዕብን ዕግርግርን ንኸይልዓል፣ እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክናዋሕ ከምዝተደልየ የረድኡ።

ግብጺ፣ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ድሕሪ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት፣ ናይ ህጹጽ እዋን ከምዝኣወጀት ዝዝከር ኮይኑ፣ ብመሰረት እቲ እዋጅ፣ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ብናዕብን ሽበራን ንዝጠርጠርዎ ዝኾነ ሰብ ብዘይ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ናይ ምእሳር ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ።

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ግብጺ ዝነበረ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፣ ብህዝቢ ንዝተመርጸ ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ ኣብ 2013 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፣ ኣብ 2014 ኣብ ዘካየዶ ምርጫ ከምዝተዓወተ ይዝከር።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0