ኢትዮጵያን ኩባን ዝምድንአን ንምሕያል ይሰማምዓ

ኢትዮጵያን ኩባን ዝምድንአን ንምሕያል ይሰማምዓ

Radio Erena: 11 Januray 2018

cuba and ethiopiaኢትዮጵያን ኩባን ዝጸንሐ ዝምድንአን ንምሕያሉ ስምምዕ ከቲመን።

እዘን ሃገራት ነዚ ስምምዕ ዝኸተማ ናብ ኩባ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዶክተር ተሾመ ሙላቱ
ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ራውል ካስትሮ ድሕሪ ምርኻቡ’ዩ።

ፕረዚደንታት ኩባን ኢትዮጵያን ኣብ ከተማ ሃቫና ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ፣ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ሕውነታዊ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ክልትኣዊ ፖለቲካዊን ኣብ ምትሕግጋዝን ዘድሃበ ዝምድና ንምዕቛማቑ ክሰርሑ ከምዝተሰማምዑ ኣፍሊጦም።

ብዘይካ’ዚ ክልቲኦም ፕረዚደንታት ኣብ ዞባውን ኣህጉራውያን ጉዳያት ከምዝተመያየጡ ኣገልግሎት ዜና ኩባ ሓቢሩ።

ብፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኩባ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም’ዩ ብሰሉስ 9 ጥሪ ናብታ ሃገር ኣትዩ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0