ግብጺ; ናብ እስራኤል ክሰግሩ ንዝፈተኑ 70 ሱዳናውያን ቀዪዳ

sudaneseግብጺ ዶባ ጥሒሶም ናብ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ንዝፈተኑ 70 ሱዳናውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወት ኣፍሊጣ።

ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጋረብ ኣላህ ኪዲ ንኣገልግሎት ዜና ሱና ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ መንግስቱ ምስ ሰበስልጣን ግብጺ ብምርኻብ ብዛዕባ ድሕነት’ቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታቱ ይዘራረብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝፈተኑ ዓሰርተ ሱዳናውያን፣ ብሓለዋ ዶብ ግብጺ ከምዝተቐትሉ ይዝከር።

መንግስቲ እስራኤል ምስ ግብጺ ዘራኽቦ ዶብ ሓጹር ብምህናጽ፣ ነቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ከኣ ኣብ ኣጻምእ በረኻ ብምእሳር ቁጽሪ ስደተኛታት ክገትኦ ከምዝኸኣለ’ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ዘለዎ ሕሱም ኣተሓሕዛ፣ ካብ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ወትሩ ክሲ ምስ ቀረበሉ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0