ኤርትራውያን ኣሰጋገርቲ ኣብ ክለብ ኤምባሲ ሊብያ ይመላለሱ ምንባሮም ተገሊጹ

ኤርትራውያን ኣሰጋገርቲ ኣብ ክለብ ኤምባሲ ሊብያ ይመላለሱ ምንባሮም ተገሊጹ

eri in libyaመብዛሕትኦም ብምስግጋር ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝለዓለ ዝህደኑ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝርከብ ብኤምባሲ ኤርትራ ዝውነን ክለብ ቤት መግብን ሻሂን ዝመላለሱ ምንባሮም፣ ኣካያዲ ናይቲ ክለብ ኤምባሲ ዝነበረ መንእሰይ ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።

 

እቲ ብትካል ስደተኛታት ተታሒዙ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ጠራቡሎስ ኣብ ዝለዓለ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ ቃለመጠይቕ፣ ከም በዓል ኤርሚያስ፣ መድሃኔ፣ ወዲ ኢሳቕ፣ ወሊድን ዓብዱልሰላምን ዝኣመሰሉ፣ ዕሉላት ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት፣ ኣብ ክለብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሊብያ ከምዝተላለዮም ብምሕባር፣ ናብቲ ኤምባሲ ተሸጊሮም ንዝመጹ ኤርትራውያን ክድለሎም፣ ኣምሳዩኡ ከኣ ንሓደ ኤርትራዊ ሓምሳ ዶላር ክኸፍሉዎ ከምዝተሰማመዐ ኣብቲ ምስ ሬድዮ ኤረና ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ኣሚኑ’ሎ።

ድሕሪ ምውዳቕ ሙዓመር ኣልቐዛፊ ምስቶም ኣሰጋገርቲ ኣብ ክለብ ኤምባሲ ኤርትራ ካብ ዝላለ ኣብዚ ኣርባዕተ ዓመታት ተሸጊሮም ናብቲ ኤምባሲ ንዝመጹ ኣስታት 250 ኤርትራውያን በብእዋኑ ምስቶም ኣሰጋገርቲ ከምዘራኸቦም’ውን ይጠቅስ።
ብምስግጋር ሰባት ብመርትዖ ተታሒዙ፣ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ጠራቡሎስ ተኣሲሩ ዝርከብ ኣካያዲ ክለብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝነበረ መንእሰይ፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባቲ ንሱ ኣብ ዘመሓድሮ ክለብ ምድላልን ምስግጋርን ስደተኛታት ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ እዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓለዋ ዶባት ምቁጽጻር ገበንን ስደተኛታትን ሊብያ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሊብያ ብምስግጋር ስደተኛታት ከምዝጥርጠርን፣ ብሰኩ’ውን ምስቲ ኤምባሲ ሓያሎ እዋን ከምዝተዘራረበን ገሊጹ። ንሱ ዘመሓድሮ ፍሉይ ኣሃዱ ምቁጽጻር ገበንን ስደተኛታትን ድሕሪ ምቛሙ፣ ሓደ ኤርትራዊ ከምዝተታሕዘን፣ እቶም ዝተረፉ ከኣ ካብ ጠራቡሎስ ሃዲሞም ናብተን ጸጥታአን ዘይተዋሕሰ ከም ቢን ዋሊድን ስብራታን ዝኣመሰላ ከተማታት ከምዝሃደሙ ኣመልኪቱ።
ምስዞም ኤርትራውያን ብምትሕብባር ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት ክነጥፉ ዝጸንሑ፣ ዕሉላት ገበነኛታት ምዃኖም ዝተነግረሎም ዜጋታት ሊብያ ብወገኖም ዝሃቡዎ ተወሳኺ መብርሂ፣ ካብ ካልኦት ሃገራት ዶባት ኣቋሪጾም ዝመጹ ስደተኛታት ብኤርትራውያን ኣሰጋገርቲ ከምዝውደቡ ገሊጾም።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እንዳተዘዋወረት ብዛዕባ መስርሕ ምስግጋር ስደተኛታት ብዝምልከት እትእክቦ ሓበሬታ፣ ብዝሰፍሐ መልክዑ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ከተቕርቦ እያ። ብምስግጋር ስደተኛታት ተታሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሊብያ ዝርከብ ኣካያዲ ስራሕ ክለብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሊብያ ዝነበረ መንእሰይ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ እውን ብተመሳሳሊ ከነቕርቦ ምዃንና ኣቐዲምና ንሕብር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0