ግብጺ ሓድሽ መደብር ሓይሊ ባሕሪ ሃኒጻ

Radio Erena: 06 July 2021

ግብጺ፣ ዝሃነጸቶ ሓድሽ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ስርሑ ጀሚሩ።

እቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተሃንጸ፣ ናብ ሊብያ ዝቐረበ መደብር ሓይሊ ባሕሪ፣ ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብ3 ሓምለ መሪቑ ከፊትዎ።

ወራስ ዓራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሸኽ ዛይድ ቢን ኣል ናህያንን ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሊብያ፣ መሓመድ ኣል መንፊን ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ግብጺ ብምዃን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም።

ግብጺ፣ ኣብቲ ሓድሽ ዝሃነጸቶ ሓይሊ ባሕሪ፣ ካብ ፈረንሳ ዝሸመተተን ሄሊኮፕተራት ዝስከማ መራኽብ ኵናት ፣ ናይ ትሕቲ ባሕሪ መራኽብን ካልኦት ዓይነታት መራኽብ ውግእን ንምርኢት ቀሪባ።

ዕላማ ምህናጽ እቲ መደበር ሓይሊ ባሕሪ፣ ውሕስነት ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ማእከላይ ባሕርን ምሕላው ምዃኑ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ናይል፣ ብወትሃድራዊ ሓይሊ ክፍታሕ ከምዘይትደሊ እኳ እንተጠቐሰ፣ ግብጺ መደምደምታ ኣብ ዘይብሉ ዘተ ክትጽመድ’ውን ቅቡል ኣይኮነን ኢሉ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0