ኢትዮጵያ፣ ከተማ ባህርዳር፣ ኣብ 3 ሓምለ ክጅምር ዝነበሮ ግጥማት ሴካፋ፣ ኣብ ውዱእ ሰዓት ብክልተ ሰሙን ተናዊሑ

Radio Erena: 06 July 2021

ቀዳም 3 ሓምለ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኢትዮጵያ ክኽፈት መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ፡ መበል 41 ውድድር ዋንጫ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ፡ ወይ ሴካፋ፡ ናብ 17 ሓምለ ተሰጋጊሩ።

እቲ ኤርትራ’ውን ክትሳተፈሉ ኣንቂዳ ዘላ ዞባዊ ግጥም ብክልተ ሰሙን ዝተናውሓሉ ምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

ሴካፋ ናብ’ዚ ውሳኔ’ዚ ክበጽሕ ዝኸኣለ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣባላቱ ብድሕሪ ምዝታዩ እዩ።

ፈጻሚ ዳይሬክተር ሴካፋ ኣውካ ጋቼዎ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ’ዚ እዋን ኡጋንዳ ኣብ ሓፈሻዊ ዕጽዋ፡ ርዋንዳን ምዕራባዊ ዞባ ኬንያን ድማ፡ ኣብ ከፊላዊ ዕጽዋ ስለ ዝርከባ፡ እተን ሃገራውያን ጋንታታት ካብ መንግስተን መገሺ ፍቓድ ክረኽባ ተጸጊመን ኣለዋ።

ብተወሳኺ፡ ብፊፋ ኣብ ዝዳሎ ዋንጫ ዓረብ ክትሳተፍ ናብ ቐጠር ዘምርሐት ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ሱዳን፡ ገለ ካብ ተጻወትታ ብኮቪድ 19 ብድሕሪ ምልካፎም ኣብ ውሸባ ስለዝርከቡ፣ ካብ’ታ ሃገር ክትወጸሉ እትኽእል ዕለት ሎሚ 6 ሓምለ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሊግ ታንዛንያ 18 ሓምለ ስለ ዝዛዘም፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ንብምልኦም ኣገደስቲ ተጻወትቲ እታ ሃገራዊት ጋንታ ክረኽቦም ስለ ዘይክእል፡ ክሳብ እቲ ውድድር ዝፍጸም ንኽጽበ ክግደድ እዩ።

ዛጊት ብዘይካ ሱዳንን ሶማልን፡ ካልኦት ብምሉአን ኣባል ሃገራት ማለት፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳ፡ ጂቡቲ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ታንዛንያ፡ ዛንዚባር፡ ብሩንዲን ርዋንዳን ኣብ’ዚ ውድድር ክሳተፋ ምዃነን ኣረጋጊጸን ኣለዋ።

ሃገራዊት ጋንታ ዲሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኮንጐ ከኣ፡ ከም ዕድምቲ ኮይና ክትሕወሰን እያ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ’ዚ ውድድር ከሳትፈን ዝኽእል ዝተሓተትኡ ምሉእ ናይ 20 ሽሕ ዶላር ዝኸፈላ ሃገራት፣- ኤርትራ፡ ኬንያ፡ ታንዛንያ፡ ዛንዚባር፡ ጂቡቲ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ርዋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎን እየን።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0