‘ግብጺ፣ 24 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም መሊሳ’

Radio Erena: 27 January 2022

መንግስቲ ግብጺ፣ ምስጓግ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ይቕጽሎ ኣሎ ክብል ሁማን ራይትስ ዎች ወቒሱ።

እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ትካል፣ ብ27 ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ግብጺ፣ ቆልዑ ዝርከብዎም 24 ሓተቲ ዑቕባ፣ ጉዳዮም ብዝግባእ ከየጻረየት ናብ ኤርትራ ከምዝመሰለቶም ኣመልኪቱ።

ብመሰረት መግለጺ እቲ ትካል፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ብተመሳሳሊ 17 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም’ዮም።

እታ ሃገር፣ ዑቕባ ክሓቱ ካብ ዓዶም ሃዲሞም ንዝመጹ ኤርትራውያን ብግዴታ ካብ ምምላሶም ክትቁጠብ፣ ምክትል ዞባዊ ዳይረክተር ሁማን ራይትስ ዎች፣ ጆ ስቶርክ ጸዊዑ።

ኣብ ግብጺ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዝተመዝገቡ 20, 778 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣለዉ።

ብዝሒ ናይቶም ኣብ ትሕቲ እዚ ኣህጉራዊ ትካል ዘይተመዝገቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ግና ክፍለጥ ኣይከኣለን።

መንግስቲ ግብጺ፣ ኣብ 24 ታሕሳስ 2021፣ ናብ ኤርትራ ዝመለሶም 24 ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ UNHCR ምዝጉባት ኣይነበሩን።

እቲ መንግስቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣሲሩ ናብ ኤርትራ ክመልሶም ዝወጠነ ክልተ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ሳላ ጻዕሪ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳትን፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ናብ ካናዳ ክጣየሱ ከምዝኸኣሉ ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0