ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ውድድር ማዮካ ቻሌንጅ ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዊቱ

Radio Erena: 27 January 2022

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ክለብ Intermarché – Wanty – Gobert Matériaux ቢንያም ግርማይ፡ ሎሚ ሓሙስ 27ጥሪ 2022 ኣብ ስጳኛ ንካልኣይ መዓልቱ ኣብ ዝቐጸለ ውድድር ማዮካ ቻሌንጅ ቀዳማይ ብምውጻእ ትርኑዕ ዓወት ሓፊሱ።

ቢንያም ነዚ 173.2 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ፡ ብTrofeo Alcúdia ዝፍለጥ ቅድድም ዝተዓወተሉ፡ ስሙያት ንዝበሃሉ ቮላቺስታታት ብቅጽበታዊ ውድድር ብምስዓር እዩ።

ምክትል ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ትሕቲ 23 ዓመት ዓለም ዝኾነ ቢንያም፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ርሕቐት ንምዕማም 3 ሰዓታትን 50 ደቓይቕን ዝወሰደሉ ክኸውን ከሎ፡ 125 ናይ ዩ.ሲ.ኣይ.ነጥቢ ድማ፡ ደሊብሉ።

ሬድዮ ኤረና ብምኽንያት እዚ ዘኹርዕ ዓወት’ዚ ንቢንያም ግርማይን ንኹሎም ኤርትራውያንን እንኳዕ ሓጎሰና ትብል።

COMMENTS

WORDPRESS: 0