ግብጺ፣ ዓመታዊ 12 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ካብ ዒራቕ ንምሽማት ትዝቲ

Radio Erena: 07 February 2017

Oil Tanker

ግብጺ ኣብ ወርሒ ሓደ ሚልዮን በርሚል ካብ ዒራቕ ንምሽማት ስምምዕ ተካይድ ምህላዋ ማዕከን ዜና ኣሕራም ገሊጹ።

እታ ሃገር ኣብ ዓመት 12 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ንምሽማት ምስ ዒራቕ ስምምዕ ተካይድ ዘላ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ግብጺ እትልእኮ ዝነበረት ነዳዲ ጠቕሊላ ደው ድሕሪ ምባላ’ዩ።

ኣካያዲ ስራሕ ክፍሊ ነዳዲ ግብጺ ጣሪቕ ኤል ሓዲዲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሃገሩ ካብ ዒራቕ ነዳዲ ንምሽማት ስምምዕ ተካይድ ከምዘላ ብምርግጋጽ፣ እቲ ካብ ዒራእ ዝሽመት ነዳዲ፣ ኣብ ግብጺ ክጻረ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ሚኒስተር ጸዓትን ነዳዲን ግብጺ ጣሪቕ ኤል ሞላ ብወገኑ፣ ነቲ ስምምዕ ንምክያድ፣ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ግብጺ ናብ ዒራቕ ከምርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ፣ ኣብ ወርሒ ልዕሊ 3.6 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ እተፍሪ ዒራቕ፣ ኣስታት ሓደ ሲሶ ካብ ፍርያታ ናብ ግብጺ ክትልእኮ’ያ።

ግብጺ ኣብ ጉዳይ ሶርያ ድሕሪ ዝወሰደቶ ዝተፈልየ መርገጺ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣካል ናይቲ ነታ ሃገር ዝሰልዓቶ ናይ 22 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ፣ ናብታ ሃገር እትልእኮ ዝነበረት ነዳዲን ጠቕሊላ ደው ከምዘበለቶ ይዝከር።

ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ግብጺ እትልእኮዝ ነበረት ነዳዲ ኣቋሪጻቶ ጥራይ ዘይኮነ፣ ካብ ግብጺ እትሽምቶ ዝነበረት ከም በርበረ ዝኣመሰለ ፍርያጥ ሕርሻ’ውን ደው ደው ኣቢላቶ’ያ።

ብዘይካ’ዚ’ውን፣ ፍሉይ ልኡኽ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፣ ናብቲ ምስ ግብጽን ዘሰሓሕብ ዘሎ፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ምብጽሑ፣ ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ቁጠባዊ ጥራይ ዘይኮነ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ትሰርሕ ከምዘላ’ዮም ተንትንቲ ዘረድኡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0