ግብጺ፣ እገዳ ሱዳን ንኸይልዓል፣ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ደገፋ ክብል መንግስቲ ሱዳን ወቒሱ

Radio Erena: 17 April 2017

Ghandor

ግብጺ፣ እገዳ ሱዳን ንኸይልዓል ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣድሚጻ ክብል መንግስቲ ሱዳን ወቒሱ።

ማዕከናት ዜና ዓረብ ብዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ መስረት፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር፣ ነዚ ናይ ግብጺ ውሳኔ፣ “ዘይትጽበዮን ዘይንቡርን” ክብል ገሊጽዎ።

ውሳኔ ግብጺ፣ በዚ ኣብ መንጎ ክቲኤን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ እዋናዊ ዘይምርድዳእ ተጸልዩ ክኸውን ከምዝክእልው’ን መንግስቲ ሱዳን ግምታቱ ይህብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነብረ ብ1591 ዝፍለጥ እገዳ ንኸይልዓል ክትድግፍ እንከላ፣ ኢትዮጵያ ድማ በንጻሩ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ እገዳ ክልዓለ ድምጻ ከምዝሃበት’ዮም ዲፕሎማሳውያን ምንጭታት ጠቒሶም።

 

መንግስቲ ግብጺ ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝወሰዶ መርገጺ ዛጊት ወግዓዊ መገለጺ ስለዘይሃበሉ፣ ሱዳን ካብኦ መንግስቲ መብርሂ ክወሃባ ሓቲታ ኣላ።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጽን ተኸሲቱ ብዘሎ ዘይምርድዳእ፣ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ስምምዓት ክትክትም እንከላ፣ በንጻሩ ናብ ሱዳን ንዝኣትዉ ዜጋታት ግብጺ ኣቐዲሞም ቪዛ ክሓቱ ዝእዝዝ ሓድሽ ኣዋጅ’ያ ኣውጺኣ።

ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ኣብ ምስሕሓብ ዝርከባ ግብጽን ኢትዮጵያን ፣ ዘይቐወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምዃነን ይፍለጥ።

=====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0