ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ ንዘይበጽሐ ብይን ኮሚሽን ዶብ፣ መፍትሒ ክረኽባሉ ሕብረት ኤውሮጳ ጸዊዑ

Radio Erena: 16 April 2017

Feder

ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ ንዘይበጽሐ ብይን ኮሚሽን ዶብ፣ መፍትሒ ክረኽባሉ ሕብረት ኤውሮጳ ጸዊዑ።

ሕብረት ኤውሮጳ ብምኽንያት 15 ዓመት’ቲ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ብይን ዝተዋህበሉ ዶባት ኣብ ባይታ ንኽሕንጸጽ፣ እወታዊ ምትብባዕ ከምዝገብር ሓቢሩ።።

ስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 12 ታሕሳስ፣ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝተኸተመሉ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጎኒ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ብምዃን ከም ምስክር ክታሙ ከምዘንበረ ዘዘኻኸረ መግለጺ ሕብረት’ቲ ሕብረት፣ እቲ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ መዕለቢኡ ክበጽሕ ዘይምኽኣሉ ከምዘተሓሳስቦ ኣፍሊጡ።

ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ዝተዋህበ ብይን ኮሚሽን ዶብ ኣብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ ከይበጽሐ 15 ዓመታቱ ኣቑጺርሉ።

ህሉው ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዞባውን ኣህጉራውን ጸጥታን ሰላምን ጸልዩ ከምዘሎ ብምዝክኻር ድማ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ሃገራት ዝሓሸ ናይ ዝምድና ሃዋሁ ንምፍጣር ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።

========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0