ግብጺ፣ ኣብ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ብውሕዱ 41 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 15 August 2022

ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ካይሮ ኣብ ዝርከብ፣ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ብውሕዱ 41 ሰባት ሞይቶም።

ኣብቲ ኣቡሲፊን ዝተሰምየ ቤተ ክርስትያን፣ ብሰንበት 14 ነሓሰ፣ ኣስታት 5 ሽሕ ኣመንቲ ኣብ ቅዳሴ ኣብ ዝነበርሉ እዋን’ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

እቲ ብሰንኪ ናይ ኤሌክትሪክ ገመድ ዘበገሶ ሓዊ፣ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ስለዘይተዋህቦ፣ ናብ መላእ እቲ ህንጻ ልሒሙ፣ ህዝቢ ተጸቓቒጡ ክወጽእ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን’ዩ መብዛሕቱ እቲ ናይ ሞት ሓደጋ ኣጋጢሙ።

መብዛሕቶም ግዳያት ሞት ቆልዑ ምዃኖም ሰበ ስልጣን ግብጺ ኣፍሊጦም።

በቲ ባርዕ ብውሕዱ 45 ሰባት’ውን ብከቢድን ፎኵሲን ቆሲሎም ኣለዉ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0