ኣልሸባብ መጥቃዕታቱ የሐይል፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወትሃደራት ሶማል ጸጥታ ሃገሮም ንምውሓስ ክምለሱ ዘይክኣልሉ ኣዛራቢ ኮይኑ ይቕጽል

Radio Erena: 15 August 2022

ኣልሸባብ፣ ኣብ ማእከላይን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ዞባታትን ሶማል፣ መጥቃዕታት ኣብ ምክያድ ኣብ ዝርከቡ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 3 ዓመታት ዓስኪሮም ዘለዉ ኣሽሓት ወትሃደራት ሶማል ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፣ ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ዘይዋፈርሉ ምኽንያት ሕጂ’ውን ኣዛራቢ ኮይኑ ይቕጽል’ሎ።

ዝተፈላለዩ ተንተንቲ፣ ንኩነታት ሶማል ብዝምልከት ኣብ ዘቕርብዎ ዘለዉ ርእይቶታት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ንኣልሸባብ ንምምካት፣ ናይ ኢትዮጵያ፣ ኣመሪካን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ሰራዊት ሓገዝ እናተገብረሉ፣ ንስልጠና ናብ ኤርትራ ተላኢኾም ዝተባህሉ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት፣ ንሰራዊት ሃገሮም ንምሕጋዝ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘይክኣልሉ ምኽንያት ንጹር ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።

ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወትሃደራት ሶማል፣ ዝበዝሐ ግዜኦም፣ ኣብ ሕርሻን ካልእ ናይ ጉልበት ስራሕን ተዋፊሮም የሕልፍዎ ምህላዉ፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ መርበባት ዜና ሶማል፣ ጋረወ ኣቐዲሙ ኣቃሊሑ’ዩ።

ካብ 2019 ኣትሒዞም፣ ንታዕሊም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወትሃደራት ሶማል፣ ዘለውዎ ኩነታት ‘ባርነት’ዩ’ ክብል
እቲ መርበብ ዜና ምስ ገለ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ሶማላውያን ወትሃደራት ብምዝርራብ ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ ጸብጻብ ምጥቃሱ ይዝከር።

እቶም ታዕሊም ቅድሚ ክልተ ዓመታት ከምዝወድኡ ዝተገልጸ ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ዓዶም ክምለስሉ ዘይተኻእለሉ ምኽንያት፣ መንግስቲ ወግዓዊ ምላሽ ክህብ’ዩ ዝሕተት ዘሎ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ 9 ሓምለ ናብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ፣ ምስቶም ወትሃደራት ድሕሪ ምርኻቡ፣ ኣብ ዝሓጸረ ናብ ዓዶም ክምለሱ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፣ ግብራዊ ከይኮነ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ሓሊፉ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣልሸባብ፣ ብኹሉ ሸነኽ መጥቃዕታቱ ብምሕያል፣ ንጸጥታ ሶማልን ኢትዮጵያን ስግኣት ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኢትዮጵያ 2 ሽሕ ወትሃደራት ክትልእኽ እንከላ፣ ሶማል ግና ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራታ ከተንቐሳቕስ ኣይከኣለትን።

ንኣስታት 3 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወትሃደራት ሶማል ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘይክኣልሉ ምኽንያት፣ ንህዝቢ ሶማል ምስጢር ኮይንዎ ምህላዎን ኣብ ሓድሽ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝነበሮ እምነት እናጎደለ ይመጽእ ምህላዉን ዝተፈላለያ መርበባት ይጠቕሳ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0