ግብጺ፣ ኣብ ኤርትራ ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምዕባይ ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ

ግብጺ፣ ኣብ ኤርትራ ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምዕባይ ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 20 February 2018

eri

ግብጺ፣ ኣብ ኤርትራ ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምዕባይ ትሰርሕ ከምዘላ ማዕከን ዜና ኢጅፕት ቱደይ ኣፍሊጡ።

እቲ ብግብጽን ኤርትራን ብልፍንቲ ዝካየድ ሕርሻዊ ንጥፈታት፣ ነቲ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ኣብ ርእሲ ምድልዳል፣ ንኤርትራ ብቴክኖሎጂ ዝተሰነየ ብርኩት ምህርቲ ንምርካብ ክሕግዛ ከምዝኽእል ሚኒስተር ሕርሻ ዶክተር ዓብደል ሞነይም ኣል ባና፣ ብሰንበት 18 ለካቲት ገሊጹ።

ነቲ ናይ ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምክያድ ዘኽእል መዘክር፣ ንሚኒስተር ሕርሻ ግብጺ ብምውካል ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ኤርትራ ያሲር ሓሽም ከምዝኸተሞ እታ ማዕከን ዜና ብተወሳኺ ሓቢራ።

ግብጺ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ተመሳሳሊ መደባት ከምዘለዋ’ያ ትሕብር።

እንተኾነ እቲ ኣብ ዞባታት ጋሽ ባርካን ዓንሰባን ክካየድ ምዃኑ ዝግለጽ ሕርሻዊ ንጥፈታት ግብጽን ኤርትራን፣ ካልእ ዕላማ ዝተጎልበበ ከይከውን ካብ ወገን ሱዳንን ኢትዮጵያን ስግኣታት ምህላዉ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ተዓዘብቲ ይገልጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0