ሰራዊት ስልጣን መንግስቲ ከምዘይርከብ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ሰራዊት ስልጣን መንግስቲ ከምዘይርከብ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 20 February 2018

ethiopia

ስልጣን መንግስቲ ናብ ሰራዊት ከምዘይሰግር ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ካብ ስልጣኑ ንምውራድ ሕቶ ድሕሪ ምቕራቡን ኣብታ ሃገር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጁን’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ብዝጸንሐ ተደጋጋሚ ተቓውሞታት፣ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት የውርድ ብምህላዉ ናይ ህጹጽ እዋን ምእዋጅ ከምዘድሊ ካቢኔ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ከምዝወሰነ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ከም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ’ውን ክናዋሕ ከምዝኽእል ሚኒስተር ፈጌሳ ይእንፍት።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ብወለንትኡ ካብ ስልጣን ክሰናበት ምሕታቱን ናይ ህጽጽ እዋን ምእዋጁን፣ ስልጣን መንግስቲ ናብ ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ክሰጋገር ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት’ዩ ዓብሊሉ ዘሎ።

ብዘይካ’ዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ከምዝኽእል ይዝረብ።

እንተኾነ እዚ ክልቲኡ ተኽእሎታት ከምዘየለ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ብቀዳም 17 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ነቲ ካብ ስልጣኑ ብወለንትኡ ክወርድ ሓቲቱ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ንምትካእ ዛጊት ዝተራእየ ኣንፈታት የለን።

ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ 1991 ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክትሽመም እዚ ንመጀመርያ እዋና’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0