ግብጺ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ምስ ጎረባብቲ ኢትዮጵይ ዝምድንኣ ንምዕባይ ትሰርሕ ከምዘላ ተሓቢሩ

Radio Erena: 05 April 2021

ግብጺ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ምስ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ዝኾና ሃገራት፣ ኣብ ንግዲ፣ ቁጠባ፣ ጸጥታን ወትሃደራውያን ዘተኮረ ዝምድናታት ንምዕባይ ትሰርሕ ከምዘላ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ገሊጾም።

እታ ሃገር፣ ብዘይካ’ዚ ምስ ሱዳን መስሪታቱ ዘሎ ምሕዝነት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ፣ ምስ ሶማልን ጂቡቲን ርክባት ከምዘካየደት እቶም ተንተንቲ ኣረዲኦም።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል፣ መሓመድ ዓብደልረዛቕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሙዓሊም ከሊፋን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ 22 መጋቢት ኣብ ግብጺ ዑደት ብምክያድ ኣብ ዞባዊ ጉዳያትን ሓባራዊ ጸጥታዊ ምትሕግጋዝን ብምትኳር ተመያይጡ።

ብ19 መጋቢት ድማ፣ ብተሓጋጋዚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ፣ ሸሪፍ ዒሳ ዝምራሕ ላዕለዋይ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ግብጺ ኣብ ጂቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ልኡኽ ግብጺ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ዘለወን ምትሕግጋዛት ዘዕብያሉ ዕድላት ተመያይጡ።

ግብጺ፣ ምስ ጂቡት ዝምድንኣ ብምዕባይ፣ ክሳብ ምኽፋት ወትሃደራዊ መዓስከር ዝኸደ ትጽቢት ከምዘለዋ’ዮም እቶም ተንተንቲ ዘመልክቱ።

መንግስቲ ግብጺ ብዘይካ’ዚ ምስ ብሩንዲን ኮሞሮስን’ውን፣ ዲፕሎማስያዊ ጽልዋታት ንምፍጣር ዝዓለም ርክባት ኣካይዱ’ዩ።

ብፍላይ ፕረዚደንት ግብጺ ምስ ምስ ፕረዚደንት ብሩንዲ ዘካየዶ ዝርርብ፣ እታ ኣብ ማይ ክዖ ናይል እትርከብ ሃገር፣ ንፖሊስ ግብጺ ክትድግፍ ዘንቐደ ተበግሶ ምዃኑ’ዮም እቶም ተንተንቲ ኣሚቶም።

ግብጺ፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ሓባራዊ መርገጺ ንዝጸንሐን፣ ኣብ ተፋሰስ ወይ ድማ ማይ ክዖ ናይል ምስ ዝርከባ ሃገራት ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ዝምድና ንምዕባይ፣ ብፍሉይ ተበግሶታት ካብ እትወስድ ሓሙሻይ ዓመቱ ኣቑጽሩ ኣሎ።

እዛ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ፣ ዓረባዊት ሃገር፣ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ‘ንህላወይ ዝፈታትን ተጻብኦ ኣንጸላልዩኒ’ እትብሎ ዘላ ጉዳይ ምህናጽ ዲጋን ኣጠቓቕማ ናይልን ንምፍትሑ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ እትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት፣ ወትሃደራውን ጸጥታውን ጸቕጥታት ንምፍጣር ምስ ሱዳን ብሓባር ትሰርሕ ከምዘላ’ዩ ዝጥቐስ።
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0