ሶማል፣ ኣብ ዝተኻየደ ተኸታታሊ መጥቃዕታት ብውሕዱ 15 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 05 April 2021

ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከራት ኣብ ዝተኻየደ፣ ክልተ ተኸታታሊ መጥቃዕታት፣ ብውሕዱ 9 ወትሃደራት መንግስቲ ተቐቲሎም።

ናይቲ ብቀዳም 03 ሚያዝያ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣልሸባብ ሓላፍነት ወሲዱ።

መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ሞቛድሾ ዝተሰምዐ ነትጕ፣ ዝተዋደደ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዘፍሸለ’ዩ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብቲ ክልተ መዓስከራት፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት በጺሑ ከምዘሎ ኣሶሸትድ ፕረስ ካብ ሞቛድሾ ኣረጋጊጹ።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማል፣ ጀነራል ዖዳዋ ዮኡስፍ ራጋለ፣ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ እኳ እንተረጋገጸ፣፣ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ኣልሸባብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዝዓቢ’ዩ ኣስሚርሉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻሜ፣ ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ሓደ ቤት ሻሂ፣ ኣብ መኪና ነታጕ ብምጽዋድ ኣብ ዝተፈጸመ መጠቓዕቲ፣ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም።

ሶማል፣ ምስ ምርጫ ተተሓሒዙ ናይ ሃገራት ፖለቲካዊ ስልጣንን ቁርቁስን ተኸስትሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ካብ ሞቛድሾ ወጻኢ ተሓጺሩ ዝነበረ ኣልሸባብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ነታ ከተማ ብተደጋጋሚ ከጥቅዓ ይርአ ኣሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0