ግብጺ፣ ንፕረዚደንት ኣል ሲሲ ዝነቅፍ ደርፊ ዘዳለወ መንእሰይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ

Radio Erena: 06 May 2020

ኣብ ግብጺ፣ ንፕረዚደንት ኣልሲሲ ዝነቅፍ ናይ ቪድዮ ደርፊ ኣብ ኣዳሊኻ ተባሂሉ ዝተኣስረ መንእሰይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሞተ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሮም።

እቲ ሻዲ ሓባሽ ዝተባህለ፣ ኣብ ምፍራይ ፊልምታት ዝነጥፍ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ፣ ምስ ካልኦት ሸሞንተ ስነጥበባውያን ብምዃን፣ ብጠለብ ኣብ ሽወደን ዝነብር ድምጻዊ፣ ንፕረዚደንት ግብጺ ዝነቅፍ ናይ ቪድዮ ደርፊ ብምድላው’ዮም ቅድሚ ክልተ ዓመታት ተኣሲሮም።

ዝበዝሑ ካብኣቶም ክልቀቑ እንከለዉ፣ ሻዲን ካልኣይ’ዩን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ማሰርቲ ጸኒሖም።

እንተኾነ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ኩነታቱ ብዝርዝር ብዘይተፈልጠ ጥዕናዊ ምኽንያት፣ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ፣ ቤት ማእሰርቲ ቶራ ሞይቱ።

ግብጺ፣ ሓንቲ ካብተን ንጋዜጠኛታትን ስነጥበባውያንን ብጽኑዕ ዝቖጻጸራን፣ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዘይብለንን ሃገራት ምዃና’ያ ትጥቀስ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ግብጺ ተኣዊጁ ዝነበረ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋጌ ንተወሳኺ ሰለስተ ኣዋርሕ ተናዊሕ።

እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ዝተናውሓሉ ምኽንያት፣ ምስ ሽበራዊ ስግኣትን ለበዳ ኮረና ቫይረስን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ማዕከን ዜና ቲቪ ናይል ሓቢራ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0