ግብጺ፣ ናብ ሃገራት ኤወሮጳ ንምስጋር ዝሓለኑ 10ታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 400 ስደተኛታት ቀይዳ

ግብጺ፣ ናብ ሃገራት ኤወሮጳ ንምስጋር ዝሓለኑ 10ታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 400 ስደተኛታት ቀይዳ

Radio Erena: 15 June 2016

Eg arr

ግብጺ ሓዳስ መናሃርያ ስደተኛታት ኮይናትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተበገሱ 10ታት ኤርትራውን ዝርከብዎም 445 ሰባት ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

ማዕከን ዜና ኣል ኣሕራም ኣብ10 ሰነ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቶም 267 ኣብ ገማግም ባሕሪ ካብ ዝእትርከብ ሮዜታ ዝተባህለ ቦታ ብጃልባ ቅድሚ ምብጋሶም’ዮም ተታሒዞም።

እቶም 21 ካብዚኣቶም ኤርትራውያን ክኾኑኑ እንከለዉ፣ 37 ዜጋታ ኢትዮጵያ፣ 64 ሱዳናውያን፣ 50 ሶማላውያን፣ 71 ኮሞሮስ፣ 24 ከኣ ግብጻውያን ይርከብዎም።

 

ብዘይካ’ዚኦም’ውን፣ ኣብ ሮዜታን ኣሌክሳንድርያን 4 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 124 ስደተኛታት ናብ ጃልባ ቅድሚ ምስቓሎም ከምዝተታሕዙ ንኣፈኛ ሰራዊት ግብጺ መሓመድ ሳሚር ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ግብጺ፣ ካብ ሊብያ ዝሓሸ ጸጥታዊ ኩነታት ስለዘለዋ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ መናሃርያታታት ስደተኛታት እናኾነት ትመጽእ ኣላ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0