ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተላእከ ናይ መግቢ ረድኤት ብኤርትራ ይሓልፍ ኣሎ

ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተላእከ ናይ መግቢ ረድኤት ብኤርትራ ይሓልፍ ኣሎ

Radio Erena: 15 June 2016

WFP

ውድብ መግቢ ዓለም ናብ ደቡብ ሱዳን ዝልኣኾ ህጹጽ ናይ መግቢ ሬድኤት ኣብ ወደብ ባጽዕ ተራጊፉ።

እቲ ውድብ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣጋጢሙ ንዘሎ ናይ መግቢ ዋሕዲ፣ ህጹጽ ረድኤት ንምልኣኽ ፖርት ሱዳንን ወደብ ባጽዕን’ዩ ከም ኣማራጺ ክጥቐመሉ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ከም መፈተኒ ከኣ ኣስታት ሓደ ሽሕ ቶን ናይ ኣኽሊ ረድኤት ብወደብ ባጽዕ ክኣቱ ከምዝወሰነ እቲ ትካል ይሕብር። 

ድሮ’ውን ኣእካልን ዘይተን ዘጠቓለለ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ዝጸዓነት መርከብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ወደብ ባጽዕ ተራጊፋ ምህላዋ ተፈሊጡ።

 

ካብ ወደብ ባጽዕ ብዓበይቲ መካይን እናተጻዕነ፣ ብመንገዲ ተሰነይ-ክሰላ ኣቢሉ ናብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ሳልስቲ ክበጽሕ ትጽቢት ይግበረሉ።

ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ተፈልያ ናጽነታ ካብ ዝኣወጀትሉ ዓመት፣ ኣገልግሎት ውድብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ብድሆታት ኮይኑዋ ይርከብ።

ውድብ መግቢ ዓለምን ካልኦት ትካላትን ናብ ኢትዮጵያ ንዝልእከኦ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት’ውን ወደባት ኤርትራ ክጥቐማሉ ይሓታ ምንባረን ይግለጽ።

ኢትዮጵያ ግና ዋላ’ኳ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከቢድ ምጭንናቕ እንተጋጠማ፣ ብፖርት ሱዳንን ወደብ በርባራን ክትጥቐም’ያ ወሲና።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0