ግብጺ፣ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 32 ኢትዮጵያውያን ብምሕረት ተፈቲሖም

ግብጺ፣ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 32 ኢትዮጵያውያን ብምሕረት ተፈቲሖም

Radio Erena: 12 June 2018

Ethiopian prime minister

ግብጺ ብዝተፈላለየ ገበናት ኣሲራቶም ዝጸንሐት 32 ኢትዮጵያውያን ብምሕረት ከምዝፈትሐት ኣፍሊጣ።

እታ ዓረባዊት ሃገር፣ ነቶም 32 ኢትዮጵያውያን ብምሕረት ትፈትሕ ዘላ ከም መርኣያ ጽቡቕ ድሌት ናይቲ ምስ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ጀሚራቶ ዘላ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ዝምልከት ዘተ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት’ዩ ካብ 9 ክሳብ 11 ሰነ ኣብ ካይሮ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ብምሕረት ድሕሪ ምፍትሖም፣ ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ምስ ዝምለስ ዝነበረ ቀ/ሚ ሃገሮም ብሓባር ኣብ ሓንቲ ነፋሪት ናብ ዓዶም ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ።

እቲ ጽዑቕ ዞባዊ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕድመ ዝነኣሰን ዝሓደሰ መራሒ ሃገር፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየዶ ተመሳሳሊ ምብጻሕ’ውን ኣስታት 1 ሽሕ እሱራት ከምዝፍትሑ ምግባሩ ይዝከር።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0