ሶማል፣ ሓደ ኣመሪካዊ ወትሃደር ተቐቲሉ፣ ኣርባዕተ ቆሲሎም

ሶማል፣ ሓደ ኣመሪካዊ ወትሃደር ተቐቲሉ፣ ኣርባዕተ ቆሲሎም

Radio Erena: 12 June 2018

US in somal

ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ኣብ ዘካየደቶ ፍሉይ ወትሃደራዊ ስርሒት ሓደ ወትሃደራ ክቕተል እንከሎ ኣርባዕተ ከኣ ከምዝቖሰሉ ንኣዘዝቲ ሰራዊት እታ ሃገር ብምጥቃስ ወትህደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ብዓርቢ 8 ሰነ፣ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማል ዝተኻየደ ፍሉይ ወትሃደራዊ ስርሒት ኣመሪካ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኣልሸባብ ንምጥቃዕ ምንባሩ ተገሊጹ።

ምስ ወትሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብሓባር ናብቲ ስርሒት ዝወፈሩ እቶም ኣመሪካውያን፣ ካብ ዕጡቓት ብዝተፈነወሎም ናይ ሞርታርን ፈኮስቲ ጠበናጁን መጥቃዕቲ፣ እቲ ሞትን መውጋእትን ከምዘጋጠመ ሰበ ስልጣን ፔንታጎን ይጠቕሱ።

ሰራዊት ኣመሪካ ብናይ ስለያ ነፋሪት ተሰንዩ ነቲ ስርሒት የካይዶ እኳ እንተነበረ፣ ነቲ ሞርታርን ጠበናጁን ዝተኮሰሉ ዝነበረ ቦታታት ከልልዮ ከምዘይክኣለ ተሓቢሩ።

ሞትን መቑሰልትን ናይዞም ወትሃደራት፣ ኣመሪካ ኣብ ሶማል ናይ ኣጋር ወትሃደራዊ ስርሒታት ተካይድ ከምዘላ ዘቃልዕ’ዩ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ደብዳብ ከተካይድ ምጽንሓ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0