ግብጺ፣ ስርሓት ጀርመን ዝኾና፣ ሰለስተ ናይ ትሕተ-ባሕሪ መራኽብ ትውንን

Radio Erena: 06 May 2019

መንግስቲ ግብጺ ምስ መንግስቲ ጀርመን ድሕሪ ዝኸተሞ ወትሃደራዊ ስምምዕ፣ ሰለስተ ናይ ትሕተ-ባሕሪ መራኽብን ከምዝወነነ ተገሊጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ኣብ ጀርመን ተሰሪሓ፣ ናይ ምፍናው መመረቕታ ዝተገብረላ ሳልሰይቲ ናይ ትሕተ ባሕሪ መርከብ ናብ ግብጺ ኣብ ዝተበገሰትሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ኣርባዕተ ናይ ትሕተ ባሕሪ መራኽብ ከፍርየላ ምስ ግብጺ ስምምዕ ዝኸተመ፣ ታሰንክሩብ ማሪን ሲስተም ዝተባህለ ናይ ጀርመን ኩባንያ፣ እተን 1400/209 ዝዓይነተን መራኽብ፣ ዘመናውያንን ኣብ ዝኾነ ክሊ ማይ ናይ ምንቕስቓስ ዓቕሚ ዝውንናን’የን ክብል’ዩ ዝግለጸን።

ወትሃደራዊ ዓቕማ ንምዕባይ እትሰርሕ ዘላ ግብጺ፣ ኣቐዲማ፣ ሄሊኮፕተራት ዝስከማ ኣርባዕተ መራኽብ ኵናትን 10ታት ነፈርቲ ውግእን ካብ ፈረንሳ ከምዝዓደገት ይፍለጥ።

ግብጺ፣ ኣብ ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ዘድሃበ፣ ምህናጽ ግዙፍ ወትሃደራዊ ሓይሊ ተካይድ ዘላ፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ንዘሎ ጂኦ-ፖለቲካውን ወትሃደራውን ምሽማው ንምዕብላል ዝዓለመ ምዃኑ ወትሃደራዊ ተንተንቲ የረድኡ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0