ግብጺ፣ ምስ ሱዳን ሓድሽ መድረኽ ዝምድና ክትምስርት ከምእትደሊ ትገልጽ

Radio Erena: 10 September 2019

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳምሕ ሹክሪ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ ናብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ልኡኽ ብሰኑይ 9 መስከረም ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶቅ፣ ፕረዚደንት መሰጋገሪ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣስማ መሓመድ ዓብደላን ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ተመያይጡ።

ምስ ስርዓት ኣልበሽር፣ ሓርፋፍ ዝምድና ዝጸንሑ መንግስቲ ግብጺ፣ ምስ ሓድሽ መንግስቲ ሱዳን ሓድሽ መድረኽ ዝምድና ክምስርት ከምዝደሊ’ዩ ዝግለጽ።

ግብጽ ሱዳንን፣ ብዘይካ’ቲ ዋንነት ናይቲ ኣብ ዞባ ሓላይብ ዝርከብ፣ ገማግም ባሕሪ ዘጠቓለለ ሰፊሕ ከባቢታት፣ ብኣጠቓቕማ ናይል’ውን ክስሓሓባ ምጽንሐን ዝፍለጥ’ዩ።

ሓድሽ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብዚ ንዝምድና ክልትኤን ሃገራት ወሳኒ ዝኾነ ጉዳያት እንታይ ዓይነት መርገጺ ከምዝሓዘ ዝተፈልጠ ነገረ እኳ እንተዘየለ፣ ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ናብ ካርቱም፣ ኣብዚ ነጥብታት እዚ ዘተኮረ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይጠቕሱ።

ግብጺ፣ ድሕሪ ምዕላው ስርዓት ኣልበሺር፣ ስልጣን ንዝሓዘ ወትሃደራዊ ባይቶ፣ ደገፈን ካብ ዝሃባ ቀዳሞት ሃገራት’ያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0