ጋዜጣታት ሱዳን ኣንጻር ግብጺ ዝቐንዐ ጽሑፋተን ደው ከብላ መንግስቲ ሱዳን ጸዊዑ

ጋዜጣታት ሱዳን ኣንጻር ግብጺ ዝቐንዐ ጽሑፋተን ደው ከብላ መንግስቲ ሱዳን ጸዊዑ

Radio Erena: 13 March 2018

Sudan newspapers

ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ሱዳን ኣንጻር ግብጺ ዝቐንዐ ጽሑፋተን ደው ከብላ መንግስቲ ሱዳን ከምዝጸውዐ ተሓቢሩ።

ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሱዳን ናብተን ጋዜጣታት ኣብ ዝልኣኾ መተሓሳሰቢ፣ ናብ ግብጺ ዝቐንዐ ጸለመ ይኹን ናብ ምትፍናን ዝደፋፍእ ጽሑፋት ካብ ምእንጋድ ክቑጠባ ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ሱዳን ነዚ መጠንቀቕታ ዘቕረበ፣ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ግብጺ ጀነራል ዓባስ ሙሽተፋ ከማል ብሰንበት 11 መጋቢት ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ካርቱም ዕጹው ዝርርብ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጽን ተኸሲቱ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ንምህዳኡ ክልቲኤን ሃገራት ብዝወሰድኦ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶ፣ ሱዳን ካብ ግብጺ ስሒባቶ ዝጸንሐት ኣምባሳደራ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ካይሮ ከምዝመለሰቶ ኣይርሳዕን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ኣብ ደቡብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ናይ ጁባ ዑደት ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ብምርኻብ ኣብ ህሉው ኩነታት እቲ ዞባን መርገጺ ግብጽን ብዝምልከት ተዘራሪቡ።

ብጉዳይ ናይል ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ውዱእ ስምምዕ ክትበጽሕ ዘይክኣለት ግብጺ፣ ናይል ምስ ዘዋስነን ሃገራት ስልታዊ ዝምድና ተደልድል ከምዘላ ይግለጽ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ናይ ደቡብ ሱዳን ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ኬንያ ኣምሪሑ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0