ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ብምኽንያት ዝኽሪ 15 ዓመት ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ 18 መስከረም፣ ንኣርማ ትካሉ (logo) ብጸሊም ሸፊንዋ

ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ብምኽንያት ዝኽሪ 15 ዓመት ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ 18 መስከረም፣ ንኣርማ ትካሉ (logo) ብጸሊም ሸፊንዋ

Radio Erena: 22 September 2016

RSF

ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ብምኽንያት ዝኽሪ 15 ዓመት ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ 18 መስከረም፣ ንኣርማ ትካሉ (logo) ብጸሊም ሸፊንዋ ውዒሉ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ብምኽንያት እቲ ዕለት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝምንድኡ ከመሓይሽ ዝፍትን ዘሎ ሕበርት ኤውሮጳ፣ ብውሕዱ ነቶም ጉሉሓት ፍጻሜታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት የዒንቱ ከይዕምተሎም ኣተሓሳሲቡ።

ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ፣ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ- (RSF)፣ ካብ 18መስከረም ኣትሒዞም ብትእዛዝ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተቀየዱ 11 ጋዜጠኛታት ናይ ብሕቲ፣ ን15 ዓመታት ደሃይ ከምዘይብሎም ብምዝኽኻር፣ ገሊኦም’ውን ብህይወት ክህልዉ ከምዘይክእሉ ዘለዎ ስኽፍታ ገሊጹ።

 

ጉዳይ እቶም ብዘይዝኾነ ሃለዋት ጠፊኦም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ንምጥያቕ ናብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣካላትን ትርዓናት ዘቕርብን ዘሎ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ብፍላይ ስድራቤቱ ኣብ ፈረንሳ ናይ ዝርከባ ጋዜጠኛ ስዮም ጸሃይ ብዝምልክተ ናብ ኣኽባር ሕጊ ፈረንሳን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስስልጣን መንግስቲን ከምዘብጽሖ’ዩ ዘረድእ።

እቲ ትካል፣ ኣተኩሮ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንምስሃብ ከኣ፣ ንዝኽሪ እቲ ስድራቤቱ ኣብ ፈረንሳ ዝርከባ ስዮም ጸሃየን ብጾቱን፣ ነታ ካብ 1985 ኣትሒዙ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ን31 ዓመታት ዝተጠቕመላ ኣርማ (ሎጎ) ብጸሊም ከጎልብባ ከምዝወሰነ የነጽር።

========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0