ኣመሪካ፣ ሓዳስ ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኣብ ኣስመራ መዚዛ

Radio Erena: 22 September 2016

US mission

መንግስቲ ኣመሪካ፣ ሓድስ ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኣብ ኣስመራ መዚዙ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ኣስመራ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እታ ናታሊ ብሮውን ዝተባህለት ሓዳስ ተመዚዛ ዘላ ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ፣ ካብ ወርሒ መስከረም ኣትሒዛ ኣስመራ ከምዝኣተወት ኣረጋጊጹ።

ካብ ሓምለ 2014 ክሳብ ሓምለ 2016 ኣብ ኣስመራ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኮይኑ ንዘገልገለ ልዊ ማዘል ተኪኣ ናብ ኣስመራ ዘምርሐት ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ ናታሊ ብሮውን፣ ደሞክራስያዊ ክብርታት ኣብ ምግስግሳ፣ ምርግጋጽ ሰላም ጸጥታን፣ ቁጠባዊ ብልጽግና ኣብ ምድንፋዕ፣ ትምህርቲ ንምትብባዕ፣ ተሳትፎ ደቂንስትዮ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ኣብ ምዕዛዝን ኣተኩራ ከምእትሰርሕ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ ገሊጻ።

 ንሳ ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምምዳባ፣ ምክትል ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ምክትል ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ቱኒዝያ ኮይና ከምዘገልገለት ሰነዳታ ይሕብር።

ኣመሪካ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብዘለዋ ሓርፋፍ ዝምድና፣ ኤምባሲኣ ብደረጃ ፈጻሚ ጉዳያት ክምራሕ’ያ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ኣውሪዳቶ።

እታ ሃገር፣ ናብ ኤርትራ ኣምባሳደር ዝልኣኸትሉ ናይ መወዳእታ ዓመት 2007 ኮይኑ፣ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምጽናዕ ኣብ ሓምለ 2010 ከምዝተፋነወ ይዝከር።

ካብ 1993 ክሳብ 2010፣ ሽዱሽተ ኣምባሳደራት ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ክተኻኽኡ እንከለዉ፣ ካብ 2010 ንደሓር ግና እቲ ብኣምባሳደራት ዝምራሕ ዝነበረ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ናብ ደረጃ ፈጻሚ ጉዳያት’ዩ ወሪዱ።

ካብ 2010 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከኣ ኣርባዕተ ፈጸምቲ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ተተኻኺኦም ኣለዉ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0