ጋዜጠኛታት ሱዳን፣ ፕረዚደንት በሽር ክወርድ ዝጠልብ ተቓውሞ ይጽንበሩ

ጋዜጠኛታት ሱዳን፣ ፕረዚደንት በሽር ክወርድ ዝጠልብ ተቓውሞ ይጽንበሩ

Radio Erena: 28 December 2018

sudan oppo

ጋዜጠኛታት ሱዳን፣ ፕረዚደንት በሺር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ህዝባዊ ተቓውሞ ከምዝተጸንበርዎ ኣፍሊጦም።

ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝሓቖፈ መርበብ፣ ነቲ ዓስራይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ተቓውሞ ዝጽንበሮ ዘሎ፣ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር፣ ንመራሕቲ ተቓወምትን ወደብቲ ናይቲ ናዕብን ንዝበልዎም ሰባት ብኣልማማ ኣብ ዝኣስርሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።

ብናህሪ ዋጋታት ከም ባኒ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት ዝተለዓዓለ ህዝቢ ሱዳን፣ እቲ ን29 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት በሽር ክእለ’ዩ ዝጽውዕ ዘሎ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ሱዳን፣ እቲ ናዕቢ ብናይ ግዳም ሓይልታት ከምዝተወደበ ይወቅስ።

ኣብቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝቕጽል ዘሎ ናዕቢ ዛጊት ልዕሊ 40 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

 

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0