ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ዓፈር ብዝተጎሃሃረ ግጭት ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ዓፈር ብዝተጎሃሃረ ግጭት ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም

Radio Erena: 28 December 2018

oromo

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ዓፈር ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉን 13 ድማ ከምዝቖሰሉን ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

እቲ ናብ ሰሉስ 25 ታሕሳስ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ናብ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ንዝጎዓዝ መስመር መካይን ተዓጽዩ ከምዝወዓለ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ጠንቂ እቲ ግጭት ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተረሳሲኑ ምጽንሑ ይጥቀስ።

ኣብቲ ግጭት፣ ገለ ሰባት ናይ ክልል ዓፈር ባንዴራ ብምውራድ ናይ ክልል ሶማል ባንዴራ ክሰቕሉ ምፍታኖም ተሓቢሩ።

ፍሉይ ሓይሊ ናይ ክልል ዓፈር ምስቶም ነቲ ግጭት ዘጎሃሃሩ ወገናት ንነዊሕ ሰዓታት ድሕሪ ምትዃሱ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃዲኡ ከምዘሎን መስመር ኣዲስ ኣበባን ትግራይን ናብ ንቡር ከምዝተመልሰን ይሕብር።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኩለን ክልላት ጸጸኒሑ ናይ ብሄር ግጭታት ይነቱግ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ እቲ ግጭት ብዝያዳ እናተጎሃሃረ ነታ ሃገር ናብ ፍጹም ውድቀት ከየምርሓ ይስጋእ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0