UPDATED:  ጋቦን፣ ን52 ዓመታት ብሓንቲ ስድራ ዝተዓብለለ ምልኪ ንምእላይ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ፈሺሉ

UPDATED: ጋቦን፣ ን52 ዓመታት ብሓንቲ ስድራ ዝተዓብለለ ምልኪ ንምእላይ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ፈሺሉ

Radio Erena: 07 January 2019

Ali Bongo coup d'etat

ሰራዊት ጋቦን ንፕረዚደንት እታ ሃገር ዓሊ ቦንጎ ካብ ብወትደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዘካየዶ ፈተነ ከምዝፈሸለ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ሰራዊት፣ ነቲ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ብወቕዒ ዝሳቐ ዘሎ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ክዓልዎ ዝፈተነ፣ ዴክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ንምትእትታው ምዃኑ ብመደበር ሬድዮ እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሓደ ሜጀር ዝተመርሐ ፈተነ ዕልዋ፣ ብኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ቤተ መንግስቲ ዝተሃንደሰ ምዃኑ ይንገር።

ኩነታት እታ ሃገር ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ዝሓበረ ኣፈኛ መንግስቲ እታ ሃገር፣ ኣርባዕተ ካብቶም ሃንደስቲ ናይቲ ፈተነ ዕልዋ ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ሓደ ድማ ይህደን ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ስድራቤት ዓሊ ቦንጎ፣ ነታ ሃገር ካብ 1967 ኣትሒዞም ከምዝመርሑዋ ይፍለጥ።

ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ኣብ 2009 ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ጋቦን ዓሊ ቦንጎ ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እናተመላለሰ ክሕከም ምጽንሑ ይግለጽ።

እቲ ወዲ 59 ዓመት ዓሊ ቦንጎ፣ ኣቡኡ ካብ 1967 ክሳብ 2009 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ን42 ዓመታት፣ ካብ ንኡስ ዕድሚኡ ኣትሒዙ፣ ከም ሚኒስተር ምክልኻል፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ሰሪሑ’ዩ።

ፕረዚደንት ነበር ዑመር ቦንጎ ኣብ 72 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ 2009 ድሕሪ ሙማቱ፣ ፕረዚደንት ጋንቦን ኮይኑ ዝተረከባ ወዱ ድማ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብጽኑዕ ሓሚሙ ስለዝርከብ ስልጣኑ ናብ ወዱ ከሰጋግር ይኽእል ዶ? እናተባህለ’ዩ ክዝረበሉ ጸኒሑ።

ኣቡኡ ዑመር ቦንጎ ሓደ ካብቶም፣ ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ዓመታት ብምጽናሕ ክብረ ወሰን ዝሰበሩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ’ዩ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ጋቦን፣ ሓንቲ ካብተን ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ዓለም ክነሳ፣ ህዝባ ብድኽነትን ብልሹው ምሕደራን’ዩ ዝሳቐ።

ኣብ ኣፍርቃ ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽንሖም ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዑ ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሞዓመር ኣልቐዛፊ ናይ ሊብያ ን42 ዓመታት፣ ዑመር ቦንጎ ናይ ጋንቦን ን42 ዓመታት፣ ቲዮዶር ኦብያንግ ኑግዌማ ባሶጎ ን39 ዓመታት፣ ሮቦርት ሙጋበ ድማ ን38 ዓመታት’ዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ንተኸታታሊ 25 ዓመታትን ልዕሊኡን ኣብ ስልጣን ዝቕጽሉ ዘለዉ ሽዱሽተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፣-

1. ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግ ኑግዌማ ባሶጎ ን39 ዓመታት
2. ፕረዚደንት ካሜሮን፣ ፖል ቢያ ን36 ዓመታት
3. ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ን32 ዓመታት
4. ፕረዚደንት ሱዳን፣ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ን29 ዓመታት
5. ፕረዚደንት ቻድ፣ ኢድሪስ ደቢ ን28 ዓመታት
6. ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ን27 ዓመታት’ዮም።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0