መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ንመንገዲ ኣየር ኤርትራ ከምዘዳኸሞ ተገሊጹ

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ንመንገዲ ኣየር ኤርትራ ከምዘዳኸሞ ተገሊጹ

Radio Erena: 07 December 2019

Eri Ethio airlines

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ዪክሬይን ብዘምጽኣ ናይ ክራይ ነፋሪት ናብ ኢጣልያ ክካየዶ ዝፈተነ ስሩዕ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከምዘይተዓወተ ተገሊጹ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ብመንገዲ ካይሮ፣ ኣቢሉ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ናብ ሚላኖ ናይ መጓዓዝያ በረራ ንምክያድ ኣብ ሕዳር 2017 ከምዝተበገሰ ኣይርሳዕን።

ይኹን’ምበር እቲ ፈተነ ክሳብ ሚያዝያ 2018 ጥራይ ከምዝቐጸለ’ዩ ጸብጻባት ኣቭየሽን የመልክት።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ነቲ ካብ መንገዲ ኣየር ያን ናይ ዩክሬን ብክራይ ብዘምጽኣ B737-300 ዝዓይነታ ነፋሪት ዝጀመሮ ናይ ኤውሮጳ መደባቱ ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተኪእዎ ኣሎ።

ብሰንኪ ዘይብቁዕ ምሕደራ ተደጋጋሚ ፍሽለታት ዘጋጠሞ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብን ናብን ኣስመራን ካልኦት ሃገራትን ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ህዝቢ መጓዓዓዝያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተዓብሊሉ ይርከብ።

መዓልታዊ ካብን ናብን ኣስመራን ካልእ ክፍሊ ዓለምን ስሩዕ በረራታት ዘለዎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ነቲ ትልኽ ክብል ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ጠቕሊሉ የዳኽሞ ከምዘሎ ምስቲ መንግስታዊ ትካል ቅርበት ዘለዎም ወገናት የረድኡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ ጅቡቲ በረራ ክጅርም ምዃኑ ካፓ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ እቲ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ስሩዕ በረራ ክጅምር ምዃኑ ዝጠቕስ ሓበሬታ፣ ብክልቲኦም ወገናት መረጋገጺ ኣይተዋህቦን።

ናብ ኤውሮጳን ካልእ ክፋል ዓለም ክበጽሕ ዘይክኣለ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ኣብ ዞባና ከካይዶ ዝጸንሐ ምንቅስቓሳት፣ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምትዕንቓፍ፣ ካብ ኣስመራ፣ ጁባ፣ ዱባይ፣ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት መስመራትን፣ በቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ኣገልግሎታት ብምሃብ ዝፍለጥ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክበሓት ይርአ ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0