ጉዳይ ናይቲ ኣብ ቱርኪ ዝሞተ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ፣ ኣብ ዕዳጋ ነዳዲ ጽልዋ ከይፈጥር ተሰጊኡ

ጉዳይ ናይቲ ኣብ ቱርኪ ዝሞተ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ፣ ኣብ ዕዳጋ ነዳዲ ጽልዋ ከይፈጥር ተሰጊኡ

Radio Erena: 15 October 2018

Kashoggi

ጉዳይ ናይቲ፣ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ፣ ደሃዩ ጠፊኡ ድሕሪ ምቕናይ ከምዝሞተ ዝግለጽ ዘሎ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣብ ዕዳጋ ነዳዲ ጽልዋ ክፈጥር ከምዝኽእል ተንተንቲ ቁጠባ ይገልጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያን ጀርመንን ብጉዳይ ሃለዋት ናይቲ ጋዜጠኛ፣ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ቁጠባዊ ጸቕጢ ክፈጥራ’የን ጸኒሐን።

ስዒዲ ዓረብ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ኤምባሲኣ ድሕሪ ምእታዉ ደሃዩ ዝጠፍአ ዜጋኣ ሓበሬታ ክትህብ ጸቕጢ ክግበረላ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ከምዝሞተ ኣረጋጊጻ ኣላ።

ኣብ ኣመሪካ ዝምቕማጡ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፣ ብምኽንያት መርዓ ናብ ቱርኪኣብ ዘምርሓሉ፣ ናይ ወረቓቕቲ ጉዳይ ከሳልጥ ብ2 ጥቅምቲ ናብ ኤምባሲ ሃገሩ ድሕሪ ምእታው’ዩ ደሃዩ ጠፊኡ።

ብ15 ጥቅምቲ ድማ ጠንቑ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ከምዝሞተ ተሓቢሩ።

ይኹ’ምበር፣ እቲ ጋዜጠኛ ኣብው ሽጢ’ቲ ኤምባሲ ከምዝተቐትለ’ዩ ዝግለጽ።

ኣማውትኡ ብዝምልከት ምጽራይን መርመራን ክካየድ ይሕተተሉ ኣሎ።

ኻሾጊ፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃገሩ ዝፍጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዕብለላ ንጉሳውያን ቤተሰብን ብትሪ ካብ ዝነቕፉ ሒደት ስዑዳውያን ጋዜጠኛታት’ዩ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0