ጅቡትን ጀርመንን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ

ጅቡትን ጀርመንን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ

Radio Erena: 23 October, 2014

Djibouti

ጀርመን ንጅቡቲ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክትገብረላ ምዃና ገሊጻ።

እዚ ዝተገልጸ ጸሓፊ ሚኒስተሪ ምክልኻል ራልፍ ብሮክሴፕ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ጀርመን ኣብ ጅቡቲ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ’ዩ።

እቲ ልኡኽ ጀርመን ምስ ሚኒስተር ምክልካል ጅቡቲ ሓሰን ድራር ሖፍነ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክተሓጋገዛ ኣብ ዝብል ስምምዕ ከቲሞም።

እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተኸተመሉ፣ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ጅቡቲ ዝርከብዎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሰበ ስልጣን ጅቡትን ተረኺቦም ኔሮም።

 

ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ሚኒስተር ምክልካል ጅቡቲ ሓሰን ድራር ሖፍነ፣ መንግስቲ ጀርመን ንመንግስቲ ጅቡቲ ወትሃደራዊ ሓገዝ ከበርክት ድሉው ምህላዉ ኣመስጊኑ።

ጀርመን፣ ጭውያ ንግዳዊ መራኽብ ንምክልኻል ዝተዋፈረ ሰራዊት ኣብ ጅቡቲ ከምዘለዋ ዝፍለጥ’ዩ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0