ጅቡቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጻብኦታት ትገብር ኣላ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ናብ ንግስነት ቀጠር ጥርዓን ኣቕሪቡ

ጅቡቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጻብኦታት ትገብር ኣላ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ናብ ንግስነት ቀጠር ጥርዓን ኣቕሪቡ

Radio Erena : 25 February 2015

eriqaD

ጅቡቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጻብኦታት ትገብር ኣላ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ናብ ንግስነት ቀጠር ጥርዓን ኣቕሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ’ዚ ናይ ቀረባ መግለጺታት ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣመልኪቱ ናብ ንግስነት ቀጠር ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ’ዩ ነዚ ጥርንዓት ዘቕርብ ዘሎ።

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ኣቐዲሙ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተዳልዩ ብስም ሚኒስትሪ ጉዳያት ኣብ ዝወጸ መግለጺ፣ ነቲ መራሕቲ ኢትዮጵያን ጅቡትን ብሓባር ዝሃብዎ ንኤርትራ ከም ዘራጊት ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጠቐሰ መግለጺታት ብወግዒ ከምዝተቓወሞ ኣዘኻኺሮም።

 

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ናብ ንግስነት ቀጠር ዝልኣኾ ደብዳቤ እዚ ናይ ጅቡቲ መግለጺታት፣ ነቲ ብቀጠር ዝሳሰ ዘሎ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ዘነኣእስን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን’ዩ ክብል ከምዘጠንቐቐ’ውን እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺታት፣ ‘ኤርትራ እታ ኣውራ ዘራጊት ጸጥታ ዞባና’ያ’ ከምዝበሉን ንሓባራዊ ጸጥታ ክሳብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ንምቛም ክሰማምዑ ከምዝኽእሉ ምጥቃሶም ይዝከር።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ብዘይካ’ዚ ኣብ ፈረንሳ ምስ እትሕተም መጽሔት ዠን ኣፍሪክ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ፣ ምስ ኤርትራ ዕርቒ ክህሉ ኣጸጋሚ’ዩ ከምዝበለ ኣይርሳዕን።

እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ፣ ቀጠር ኣብ 2009 ዝወሰደቶ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ውጽኢት ኣይተረኽበሉን ከምዝበለዉ ዝዝከር’ዩ።

ቀጠር ነቲ ኣብ ሰነ 2008 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዝተወልዐ ካብ ክልቲኡ ወገን 10ታት ሰባት ዝቐተለ ኵናት ንምሽምጋል ተበግሶ ድሕሪ ምውሳዳ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ንምዕባለታት እቲ መስርሕ ዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

ኣብቲ ኤርትራን ጅቡትን ኵናት ዘካየዳሉ ከባቢታ’ውን ተዓዛቢ ሰራዊት ምውፋራ ይፍለጥ።

ኤርትራን ጅቡትን ብጉዳይ ምሩዃት ኵናትን ካልእ ነጥብታት ክረዳድኣ ብዘይምኽኣለን ሽምግልና ቀጠር ውጽኢት ከርኢ ከምዘይክኣለ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲ ብምውጋን እትገብሮ ድፍኢት’ውን ነቲ መስርሕ ንኸይዕወት ዓንቒፉ ምህላዉ ዝጠቕሱ ውሑዳት ኣይኮኑን።

እዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብመንገዲ ኣብ ዶሓ ዝርከብ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም ኣቢሉ ናብ ንግስነት ቀጠር ዝልኣኾ ደብዳቤ’ውን ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ድፊኢት ከምዝጠቐሶ እቶም ነዚ ሓበሬታ እዚ ዝልኣኹ ምንጭታት የነጽሩ።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0