ጅቡቲ ምስ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣስላም ኣብ ንግድን ፊናንስን ናይ ልዕሊ 600 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ ንግዲ ከቲማ

Radio Erena: 20 September 2019

መንግስቲ ጅቡቲ ምስ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣስላም ኣብ ንግድን ፊናንስን (ITFC)፣ ናይ ልዕሊ 600 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ ንግዲ ከምዝኸተመት፣ ብቋንቋ ፈረንሳ እትዳሎ መርበብ ሓበሬታ ፊናንሽያል ኣፍሪክ ገሊጻ።

እቲ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ሰሙን’ዚ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ንሰልስተ ዓመታት ዝጸንሕ ኮይኑ፣ ብቀንዱ ኣብ ቀረበ ነዳዲን ጸዓትን ዘተኮረ’ዩ።

ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣስላም ኣብ ንግድን ፊናንስን ኣባል እስላማዊ ባንክ ልምዓት (IsDB)’ዩ።

እቲ ስምምዕ ዝተኸተመ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲን እስማዒል ዑመር ገለን ኣካያዲ ስራሕ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣስላም ኣብ ንግድን ፊናንስን ኢንጂነር ሃኒ ሳልም ሶምቦልን ኣብ ጅቡቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ’ዩ።

ነቲ ስምምዕ፣ ብወገን መንግስቲ ጅቡቲ ሚኒስተር ፋይናንስ ኢልያስ ሙሳ ዱዋለ ብወገን እቲ ትካል ድማ ኣካያዲ ስራሕ ሃኒ ሳልም ሶምቦል’ዮም ከቲሞሞ።

እቲ ትካል ካብ 2008 ኣትሒዙ፣ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ዘተኮረ ናይ ልዕሊ 650 ሚልዮን ንግዳዊ ልውውጥ ምስ መንግስቲ ጅቡቲ ከምዘካየደ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0