ደቡብ ሱዳን፣ ንመኽፈል ደሞዝ ሰራሕተኛታት፣ 600 ሚልዮን ዶላር ካብ ቻይና ተለቂሓ

Radio Erena: 20 September 2019

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ንመኽፈል ደሞዝ ዝኸውን 600 ሚልዮን ዶላር ካብ ቻይና ከምዝተለቅሐ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ዜና ደቡብ ሱዳን ከምዝሓበሮ፣ እቲ ካብ መንግስቲ ቻይና ብልቃሕ ዝመጽእ ኣስታት 600 ሚልዮን ዶላር፣ እባ ምኽፋል ደሞዝ ኣባላት ባይቶ፣ ሚኒስተራት፣ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካልእ ኣገዳደስቲ ጽፍሕታት መንግስትን ንዝተዋፈረ ሰባት ክውዕል’ዩ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት፣ ደሞዝ ሰበ ስልጣንን ሰራሕተኛት መንግስትን ንምኽፋል ክጽገም’ዩ ዝርአ።

ደቡብ ሱዳን፣ ብነዳዲ ሃብታም እኳ እንተኾነት፣ ብሰንኪ ዘይርግኡ ጸጥታን ጸጸኒሑ ዝውላዕ ግጭታትን፣ ዘይብቁዕ ምሕደራ መንግስትን ብልሽውናን፣ ብስሩዕ ዓመታዊ ባጀት ክትመሓደር ዘይክኣለት ዘላ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓደሰት ሃገር’ያ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0