ጅቡቲ መዓልታዊ 103 ሽሕ ሜትር ኩብ ማይ ካብ ኢትዮጵያ ክትጓርት

ጅቡቲ መዓልታዊ 103 ሽሕ ሜትር ኩብ ማይ ካብ ኢትዮጵያ ክትጓርት

Radio Erena: 5 June, 2014

ethio dji water

ጅቡቲ መዓልታዊ 103 ሽሕ ሜተር ኩብ ማይ ካብ ኢትዮጵያ ብናጻ ክትወስድ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ጅቡቲ ሓንቲ ካብተን ብዋሕዲ ጽሩይ ዝስተ ማይ ዝሳቐያ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ኮይና፣ ነዚ ንዓመታት ከሳቕያ ዝጸንሐ ሽግር ንምፍታሕ፣ ካብ ኢትዮጵያ መዓልታዊ 103 ሽሕ ሜተር ኩብ ማይ ንክትጓርት ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ዘ ሪፖርተር ኣረጋጊጹ።

 

እቲ ጅቡቲ መዓልታዊ ክትጓርቶ ኣብ ስምምምዕ ተበጺሑ ዘሎ ማይ፣ ካብ ዶብ ጅቡቲ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ 100 ኪሎሜትር ርሒቑ ካብ ዝርከብ ሺኒሌ ኣብ ዝተባህለ ዞባ’ዩ።

ኣብቲ ስንጭሮታት ዝበዝሖ ዞባ፣ መዓልታዊ ልዕሊ 270 ሽሕ ሜተር ኩብ ማይ ክወጽኦ ዝኽእል ሃብታማ ናይ ከርሲ መረት ጽሩር ዝስተ ማይ ከምዘሎ ብመጽናዕቲ ድሕሪ ምርግጋጹ’ዩ ጅቡቲ መዓልታዊ 103 ሽሕ ሜተር ኩብ ጹሩር ዝስተ ማይ ብናጻ ክትወስድ ኢትዮጵያ ዝፈቐደት።

ኢትዮጵያ ንጅቡቲ ብናጻ ማይ ክትጓርት ዘፍቕድ ኣዋጅ ግብራዊ ቅድሚ ምዃኑ ድማ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ቀሪቡ ከምዝተዘተየሉ እቲ ናይ ዘ ሪፖርተር ጸባጽባ የመልክት።

ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጅቡቲ፣ ናብ ህዝቢ እትቕርቦ 95 ሚእታዊት ማይ ካብ ዓበይቲ ዒላታት ተዃዒቱ ዝርከብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኣዝዩ ጨዋም’ውን ‘ዩ።

ጅቡቲን ኢትዮጵያ ብዘይካ’ቲ ካብ ውደብ ጅቡቲ ክሳብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝዝርጋሕ መስመር መንገዲ ባቡር፣ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ሰንጢቑ ዘራኽብ ከም ዓንድታት ኤሌክትሪሲቲን ሻምብቖታት ማይን ዝኣመሰለ ናይ ልምዓት ትሕተ ቕርጺ’ውን ኣብ ምህናጽ ከተኩራ’የን።

=====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0