“ጅቡቲ፣ 14% ካብ ሓፈሻዊ እቶታ፣ ኣብታ ሃገር ዓስኪሩ ሳላ ዘሎ ሰራዊት ኣመሪካ’ያ ትረኽቦ”

Radio Erena: 13 December 2019

ጅቡቲ፣ ካብ እትረኽቦ ዓመታዊ ሓፈሻዊ እቶት፣ እቲ 14% ወይ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ካብ ኣመሪካ’ያ ትረኽቦ።

እዚ ድማ፣ ሳላ’ቲ ኣብታ ሃገር ዓስኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ’ዩ።

እቲ ኣብ መዓስከር ለሞንየ ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ብዘይካ’ቲ ንልዕሊ 1 ሽሕ ዜጋታት ጅቡቲ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣሩ፣ ዓመታዊ’ውን ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ዝግመት፣ ዘቤታዊ ነገራት ይሽምት።

እዚ ብዘይካ’ቲ ብቀጥታ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ዝወሃብ ሓገዝ ማለት’ዩ።

እቲ ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪን ኣጋር ባሕረኛታት ሰራዊትን ዘጠቃለለ መዓስከር ለሞንየ ናይ በብእዋኑ ምስፋሕ መደባት ይካየደሉ’ዩ።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ድማ፣ ኣብቲ መዓስከር ተወሳኺ ፕሮጀክታት ንምስልሳል፣ 14 ኩባንያታት ናይ ስራሕ ውዕላት ፈሪመን ኣለዋ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተኸተመሉ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ወከልቲ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተረኺቦም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ፣ ጀይ ኣለክሳንደር ሃሚልተን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ካብ 2015 ኣትሒዙ፣ ሓያሎ ኩባንያት ጅቡቲ ኣብቲ መዓስከር 10ታት ሚልዮናት ዶላር ዝግመት ውዕላት ስራሕ ክወሃበን እንከሎ፣ ኣብ 2016 ድማ ብሓፈሻ፣ ኣመሪካ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ኣብ ቁጠባ ጅቡቲ ኣበርክቶ ከምዝገበረት ኣፍሊጡ። እዚ ድማ 14% ካብ ሓፈሻዊ እቶት እታ ሃገር ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣመሪካ፣ ነቲ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ መዓስከራት ንምስፋሕ ትውስን ዘላ፣ ድሕሪ’ቲ ቻይና’ውን ኣብታ ሃገር ወትህደራዊ መዓስከር ምኽፋታ’ዩ።

ኣብ ጅቡቲ፣ ወትህደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ቻይናን ከምዘሎ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0