ካብ ሊብያ ተመሊሶም ኣብ ኒጀር ተዓቝቦም ዝጸንሑ 18 ኤርትራውያን ናብ ሉክሰምቡርግ ተጣይሶም

Radio Erena: 13 December 2019

ኣብ ሊብያ ካብ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ተመሊሶም፣ ኣብ ኒጀር ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝጸንሑ 18 ኤርትራውያን ናብ ሉክሰምቡርግ ከምዝተጣየሱ ሚኒስይትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም ካብ ኒጀር ናብ ኤውሮጳዊት ንእሽቲ ሃገር፣ ሉክሰምቡርግ ዝተጣየሱ ኤርትራውያን ቆልዑን ኣዴታትን ይርከብዎም።

ሉክሰምቡርግ፣ ብዘይካ’ቶም 18 ኤርትራውያን፣ 19 ዜጋታት ሶማል፣ ሸሞንተ ሱዳናውያንን 3 ኢትዮጵያውያን’ውን ብተመሳሳሊ መስርሕ ካብ ኒጀር ኣጣይሳ።

መብዛሕቶም ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብታ ሃገር ክግዕዙ እንከለዉ፣ ዝተረፉ ሒደት ድማ መስርሕ መጓዓዝያ ይጽበዩ ኣለዉ።

ሉክሰምቡርግ ነቶም፣ ካብ ሊብያ ተመሊሶም ኣብ ኒጀር ዝጸንሑ፣ 18 ኤርታውያን ዝርከብዎም 48 ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተጣይሶም ዝወሰነት፣ ልኡኽ መንግስቲ እታ ሃገር ናብቲ ግዝያዊ መጽንሒ ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት’ዩ።

ኣብ ርዋንዳ’ውን፣ ብተመሳሳሊ ካብ ሊንያ ዝተመልሱ፣ መብዝሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ልዕሊ 300 ስደተኛታት ኣብ ግዝያዊ መጽንሒ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0