ጅቡቲ፣ ዝጠሓሉ ልዕሊ 50 ሰባት፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ተረጋጊጹ

ጅቡቲ፣ ዝጠሓሉ ልዕሊ 50 ሰባት፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ተረጋጊጹ

Radio Erena: 06 February 2019

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ኣብ ዝጠሓላ ክልተ ጀላቡ ህይወቶም ዝሰኣኑ 58 ሰባት፣ ብምሉኦም ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ተረጋጊጹ።

ነዚ ዘረጋገጸ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ንሬሳ ናይቶም ግዳያት ናብ ሃገሩ ንምምላስ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ናብ የመን ዘንቀዳ፣ 130 ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ ጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ድሕሪ ምብጋሰን፣ ነዊሕ ከይተጓዕዛ ከምዝጠሓላ ይዝከር።

እዚ ሓደጋ ዘጋጠም ዘሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ብምትሕብባር፣ ኣብ የመን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታቱ ንምውጻእ ጻዕርታት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0