ኣብ ኤርትራ፣ ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ዝተኣስረ ኢትዮጵያዊ ፓይሎት ዓሪፉ

ኣብ ኤርትራ፣ ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ዝተኣስረ ኢትዮጵያዊ ፓይሎት ዓሪፉ

Radio Erena: 06 February 2019

ኣብ ኤርትራ፣ ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ድሕሪ ዝተጀመረ ርክብ ተፈቲሑ ናብሃገሩ ዝተፋነወ ኢትዮጵያዊ ኣብራሪ ነፋሪት ውግእ ኮለነል ታደሰ ሙሉነሕ ዓሪፉ።

ኢትዮጵያዊ ፓይሎት ኮለነል ታደሰ ሙሉነህ፣ ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሓሉ ከቢድ ስንክልና ስለ ዘጋጠሞ፣ ኣብ ሃገሩን ህንድን ጽዑቕ ሕክምና ክካየደሉ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዓሪፉ።

እቲ ኣብራሪ ሚግ 23 ዝነበረ ኮለነል፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ካብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ተሰጕጉ፣ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ከም ናይ በረራ መምህር ኮይኑ ይሰርሕ እኳ እንተነበረ፣ ድሕሩ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝቖመን ማእከሉ ኣብ ኣስመራ ዝገበረን ዕጡቕ ግንባር ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ከም ሓላፊ ኮይኑ ተመዚዙ።

እንተኾነ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ፣ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተወሲዱ፣ ብዘይዝኾነ ክስን ፍርድን ንሸሞንተ ዓመታት ተኣሲሩ።

ዜጋታት ኤርትራ’ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ብዘይክሲን ፍርዲን ኣሲሩ ዘሳቒ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ምስ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ርክብ፣ ንሓያሎ ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ከምዘፋነዎም እንንከሎ፣ ንዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ግና ደሃዮም ኣጥፊእዎም ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ምስ ተቓውሞ ኣኽርያ ብዝተሓሓዝ ተኣስሮም ካብ ዝርከቡ ወለዲ፣ መማህራን ተማሃሮን ሓደ ዝኾኑ፣ ኣቦና ሓጂ ኢብራሂም ዮኑስ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዓረፉ ይዝረከር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0