ጅቡቲ፣ ኣብ ልምምድ ዝነበረት ነፋሪት ኵናት ኣመሪካ ወዲቓ

ጅቡቲ፣ ኣብ ልምምድ ዝነበረት ነፋሪት ኵናት ኣመሪካ ወዲቓ

Radio Erena: 05 April 2018

us forceኣብ ጅቡቲ፣ ኣብ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝነበረት ነፋሪት ኵናት ኣመሪካ ከምዝወደቐት ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እታ AV-8B Harrier ዝዓይነታ ዝተራቐቐት ነፋሪት ኵናት ብሰሉስ 3 ሚያዝያ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣምቦሊ ናይ ጅቡቲ ድሕሪ ምብጋሳ፣ ነዊሕ ርሕቀት ከይበረረት’ያ ወዲቓ።

ኣብራሪኣ፣ ብጋንጽላ ክወርድ ብምኽኣሉ ከቢድ ጉድኣት ከምዘይወረዶ ዝሓበረ ሓይሊ ባሕሪ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ብወገኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ለሞንየ ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እታ ነፋሪት ድሕሪ ምውዳቓ ኣብ ባይታ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ይኹን ንብረት ዘብጽሓቶ ዕንወት ኣይተሓበረን።

 

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0