ጅቡቲ፣ ንDP World ናይ ዱባይ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ክትክሕስ’ያ

ጅቡቲ፣ ንDP World ናይ ዱባይ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ክትክሕስ’ያ

Radio Erena: 17 July 2018

djibouti dpworldጅቡቲ፣ ንወሃቢ ኣገልግሎታት ወደብ ዝኾነ DP World ናይ ዱባይ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ክትክሕስ ምዃና ፋይናንሽያል ታይምስ ኣፍሊጡ።

ኣማሓዳሪ ወደብን ናጻ ናይ ንግዲ ዞባን ጅቡቲ ኣቡበከር ዑመር ሓዲ፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምስቲ ናይ ዱባይ ኩባንያ፣ ዝኾነ ዓይነት ናይ ዕርቂ ወይ ሽምግልና መስርሕ ከምዘይቅበሉ ኣረጋጊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ እቲ ኩባንያ ካሕስኡ ወሲዱ ክርሕቀልና ጥራይ’ዩ ዘለዎ ክብል ኣስሚርሉ።

እቲ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ተገሚቱ ዘሎ ካሕሳ ዝመጽእ ሰሙን ክኽፈል ከምዝኽእል’ውን ፋይናንሽያል ታይምስ ኣሚቱ።

DP World ናይ ዱባይ ኮነ ኢሉ ንወደብ ጅቡቲ ብትሕቲ ዓቕሙ ከስርሖ ከምዝጸንሐ ብምውቃስ’ዩ መንግስቲ ጅቡቲ ምስቲ ኩባንያ ዝኣተዎ ስምምዕ ሰሪዝዎ።

ኣቡበከር ዑመር ሓዲ፣ እቲ ናይ ዱባይ ኩባንያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ ወደባት ናይ ምቁጽጻር ውጥን’ዩ ክብል ጠቒሱ።

ዋንነቱ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኾነ DP World ምስ ጅቡቲ ዝነበሮ ናይ ወደብ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሱ፣ ንወደብ በርበራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንምውናኑ ምስ ኢትዮጵያን መንግስቲ ናይቲ ርእሰ ምምሕዳርን ተሻሪኹ ይርከብ።

ጅቡቲ ብ3.2 ቢልዮን ዶላር ናይ ቻይና ምውላ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ብዘይካ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኽብሉ ዝሓለፈ ቅንያት ኣመሪቓ’ያ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0