ፕ.ሱዳን ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ

ፕ.ሱዳን ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 17 July 2018

beshir and putin2ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት ብዓርቢ 13 ሓምለ ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዉ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ተዘራሪቡ።

ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት ናብ ሩስያ፣ ብኣውርኡ፣ ሱዳን ኣብ ምክልኻልን ካልእ ወትሃደራዊ ንጥፈታትን ንእትገብሮ ዘላ ወፍሪ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ ኣብዚ 10 ኣዋርሕ ንኻልኣይ ግዜ’ዩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017 ናብ ሩስያ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ሓያሎ ወትሃደራዊ ስምምዓት ከምዝኸተመ ይዝከር።

ሩስያ ብመሰረት እቲ ምስ ሱዳን ዝኣተወቶ ውዕል፣ ሽዱሽተ ሱኸይ ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ንሱዳን ከምዝሸጠትላ’ውን ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ ሱዳንን ሩስያን፣ ኣብ ጸዓት፣ ሕርሻን ካልእ ፖለቲካውን ቁጠባዊን ምትሕግጋዛት ክገብራ’ውን ኣብ ምርድዳእ በጺሐን ኣለዋ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0