ጅቡቲ፣ ንበዓልቲ ቤትን ክልተ ደቁን ብሽበራ ናይ ዝተጠርጠረ ፈረንሳዊ ሰጕጓ

ጅቡቲ፣ ንበዓልቲ ቤትን ክልተ ደቁን ብሽበራ ናይ ዝተጠርጠረ ፈረንሳዊ ሰጕጓ

Radio Erena: 07 December 2019

Peter Cherif

መንግስቲ ጅቡቲ፣ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ናይቲ ዝሓለፈ ቅንያት ናብ ፈረንሳ ዘረከበቶም፣ ብሽበራ ዝተጠርጠረ ፈረንሳዊ፣ ሰጕጉዮም።

ካብ ጅቡቲ ዝተሰጎጉ በዓልቲ ቤት ፒተር ሸሪፍን ክልተ ደቁን ናብ ፈረንሳ ድሕሪ ምእታዎም፣ እቶም ክልተ ደቁ፣ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ናብ ዝእለይሉ ቦታ ክውሰዱ እንከለዉ፣ በዓልቲ ቤቱ ግና ንተወስኺ መርመራ ኣብ ቀይዲ ከምዘላ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

ኣብ 2015፣ ኣብ ከተማ ፓሪስ፣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጋዜጣ ቻርሊ ሄብዶ መጥቃዕቲ ካብ ዝሃንደሱ ሓደ ምዃኑ ዝጥርጠር ፒተር ሸሪፍ፣ መንነቱ ብምቕያር ምስ ናይ ስደተኛታት ጃልባ ተጻዒኑ ካብ የመን ናብ ጅቡቲ ድሕሪ ምስጋሩ ከምዝተታሕዘ’ዩ ዝግለጽ።

ብኣቡ ሃምዛ ዝፍለጥ ወዲ 36 ዓመት ፒተር ሸሪፍ፣ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ምስ ሽበራዊ ጉጅለታት ድሕሪ ምጽንሑ፣ ሓንሳእ ብኣመሪካ ሓንሳእ ከኣ ብፈረንሳ ክልተ ግዜ ተታሒዙ እኳ እንተነበረ፣ ካብ 2011 ንደሓር ሃዲሙ ክህደን’ዩ ጸኒሑ።

እዚ ኣብ ፈረንሳ ብዙሕ ገበናት ከምዝፈጸመ ዝኽሰስ ሸሪፍ፣ ንሓያሎ መንእሰያት ናብ ዳዒሽ ብምጽንባር መጥቃዕታት ክፍጽሙ ክውድብ ምጽንሑ’ዩ ዝጥቀስ።

ኣብ 2015 ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝተኻየዱ ክልተ ተኸታተልቲ መጥቃዕታት ካብ ዘወሃሃዱ ሓደ ምዃኑ’ውን መንግስቲ ፈረንሳ ይኸሶ።

ብፍላይ ምስቶም ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ቻርሊ ኤብዶ፣ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ክልተ ኣሕዋት ቅርበት ከምዝነበሮ ጸብጻብ ፖሊስ ፈረንሳ የመልክት።

ፒተር ሸሪፍ ድሕሪ’ቲ ናይ 2015 መጥቃዕቲ፣ ተሰዊሩ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ጅቡቲ ተታሒዙ።

ንሱ፣ ብምትሕብባር መንግስታት ጅቡትን ፈረንሳን፣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ፈረንሳ ተሰጋጊሩ ኣሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0